8 “ያእቆብ ኣብ ግብፂ ምስ ኣተወ፥ ግብፃውያን ከዓ ነቦታትኩም ምስ ኣጨነቑዎም፥ ኣቦታትኩምውን ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ፤ ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ለኣኾም፤ ንሳቶም ከዓ ነቦታትኩም ካብ ግብፂ ኣውፅእዎም፤ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ድማ ኣቐመጥዎም።
ሃገራት ኣህዛብውን ሃቦም፤ ንናይ ባዕዲ ድኻምውን ወረሱ።
እግዚኣብሄር ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ኣውፅኦም።
እቶም እግዚኣብሄር “ንደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ኣውፅእዎም” ኢሉ ዝኣዘዞም፥ ኣሮንን ሙሴን፥ እዚኣቶም እዮም።
ኣቦታትና ናብ ግብፂ ወረዱ፤ ንሕና ኸዓ ኣብኡ ነዊሕ ዘመን ተቐመጥና፤ ግብፃውያን ድማ ንኣናን ነቦታትናን ኣሳቐዩና።
ያእቆብ ድማ ናብ ግብፂ ወረደ፤ ንሱ ሞተ፤ ኣቦታትናውን ሞቱ።
“እታ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ፥ ንስኻ ነዝ ህዝቢ እዙይ ክተውርሶ ኢኻ እሞ፥ ፅናዕ፤ ትባዕ።
እግዚኣብሄር ከዓ ኸምቲ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሓለሎም፥ ኵላ እታ ምድሪ ንደቂ እስራኤል ሃቦም፤ ወሪሶም ድማ ተቐመጥዋ።
ከምዙይ ከዓ በሎም፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ‘ኣነ ኻብ ግብፂ ኣውፃእኹኹም፤ ካብ ኢድ ግብፃውያንን ካብ ኢድ ኵሎም ዘጨንቑኹም መንግስታትን ኣድሓንኩኹም’ ይብል ኣሎ።
ሳሙኤል ድማ ነቶም ህዝቢ ኸምዙይ በሎም፦ “እቲ ንሙሴን ንኣሮንን ዝሓረዮም፤ ነቦታትኩም ከዓ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅኦም እግዚኣብሄር እዩ።