Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ሳሙኤል 12:5 - መፅሓፍ ቅዱስ

5 ሳሙኤል ከዓ “ኣብ ኢደይ ምንም ከም ዘይረኸብኩምለይስ፥ በዛ መዓልቲ እዚኣ እግዚኣብሄርን እቲ ንሱ ዝቐብኦን ምስክር እዮም” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ምስክር እዩ” በሉ።

Ver Capítulo Copiar




1 ሳሙኤል 12:5
14 Referencias Cruzadas  

“ነዘን ኣጓላተይ እንተ ገፋዕኻየን ወይ ኣብ ልዕሊኣተን ካልኦት ኣንስቲ እንተእተኻ፥ ዝርኢ ሰብ እኳ ምሳና እንተ ዘየለ፥ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ምስክር እዩ” በለ።


ሕዚ እውን ምስክረይ ኣብ ሰማይ ኣሎ፤ ዝምስክረለይውን ኣብ ኣርያም እዩ።


እግዚኣብሄር ንኢዮብ እዙይ ምስ ተዛረቦ፥ ንኤልፋዝ በዓል ቴማን ከምዙይ በሎ፦ “ከምቲ ኢዮብ ባርያይ ጌርኩም ብዛዕባይ ቅኑዕ ስለ ዘይተዛረብኩም፥ ኣባኻን ኣብ ክልቲኦም መሓዙትካን ቍጥዓይ ነዲዱ እዩ።


ብለይቲ ተመልከትካኒ፤ ንልበይውን ፈተንካዮ፤ ፈተንካኒ፤ ኣባይ ዓመፅ ኣይረኸብካለይን።


“ብዕራይ ኮነ ኣድጊ ወይ በጊዕ ሰሪቑ፥ እቲ ዝሰረቖ ኣብ ኢዱ ብህይወቱ እንተ ተረኽበ፥ ንሱ ዕፅፊ ገይሩ ይኽፈል።


ጲላጦስ ድማ “ሓቂኸ እንታይ እዩ?” በሎ። እዙይ ኢሉ፥ መሊሱ ናብ ኣይሁድ ወፂኡ “ኣነስ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩሉን።


ብዙሕ ዋዕዋዕታ ድማ ኾነ፤ ካብ ወገን ፈሪሳውያን ዝኾኑ ሓድሓደ መምህራን ሕጊ፥ “ኣብዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ሓደኳ ኽፉእ ነገር ኣይረኸብናን፤ መንፈስ ወይ መልኣኽ ተናጊርዎ እንተ ኾነኸ፥ እንታይ ንፈልጥ?” እናበሉ ተሲኦም ተኸራኸሩ።


ስለዙይ ከዓ እየ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ቅድሚ ሰብን፥ ብንፁህ ሕሊና ኽነብር ዝፅዕር ዘለኹ።


ወይ ከዓ ኣብ ቅድሚ ዋዕላ ቖይመ እንተለኹ፥ ዝኾነ በደል ረኺቦምለይ እንተ ኾይኖም፥ እዚኣቶም ይንገሩ።


ኣብ ልዕለይ ምንም ኣይፈልጥን እየሞ፤ በዙይ ግና፥ ንፁህ እየ ማለት ኣይኮነን። ጐይታ ጥራሕ እዩ ንኣይ ዝፈርደኒ።


ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ፥ ኣውራ ኸዓ በቲ ምሳኻትኩም ዘለና ርክብ፥ በቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝርከብ ቅድስናን ቅንዕናን ከም ዝነበርና፥ ሕሊናና ይምስክረልና እዩ። ነዙይ ከዓ ብጥበብ ሰብ ዘይኮነስ፥ ብፀጋ እግዚኣብሄር ስለ ዝገበርናዮ፥ ንምካሕ ኢና።


ንሳቶም ከዓ “ኣየታለልካናን፤ ግፍዒውን ኣይገፋዕኻናን፤ ካብ ኢድ ሰብውን ዝኾነ እኳ ኣይወሰድካን” በልዎ።


ዳዊት ግና ንኣቢሳይ “እግዚኣብሄር ንዝቐብኦ ቐቲሉ በደል ዘይኮኖ የለን እሞ፥ ሕደግ ኣይትቕተሎ” በሎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos