3 ሕዚ እውን እኒሀኹ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ኣብ ቅድሚ እቲ ንሱ ዝቐብኦን መስክሩለይ፤ ናይ መን ብዕራይ ወሰድኩ? ናይ መን ኣድጊኸ ወሰድኩ? ንመንከ ኣታለልኩ? ንመን ግፍዒ ገበርኩ? ኣዒንተይ ንምዕዋርከ ኻብ መን ጉቦ ተቐበልኩ? ኣነውን ክመልሰሉ እየ።”
መንገዲ እግዚኣብሄር ሓልየ እየሞ፥ ኣብ ኣምላኸይውን ኣይዓመፅኩን።
ገራሁኦምን ኣታኽልቲ ወይኖምን ኣዋልዶምን ኣባይቶምን ምለሱሎም፤ ናይቲ እቲ ንስኻትኩም ካብኣቶም ብሃረፃ ዝወሰድኩምዎ ገንዘብን እኽልን ወይንን ዘይትን ከዓ፥ ካብ ሚእቲ ኢድ፥ ሓደ ኢድ በይዛኻትኩም ሎሚ ምለሱሎም” በልክዎም።
ገንዘቡ ብሃረፃ ዘየለቅሕ፥ ኣብ ልዕሊ ንፁህ ጉቦ ዘይቕበል፤ እቲ ኸምዙይ ዝገብር ንዘለኣለም ኣይህወኽን።
“ቤት ብፃይካ ኣይትመነ። ሰበይቲ ብፃይካ፥ ኣገልጋሊኡ፥ ኣገልጋሊቱ፥ ብዕራዩ፥ ኣድጉ፥ ወይ ናይ ብፃይካ ዝኾነ ዅሉ ኣይትመነ።”
“ብዕራይ ኮነ ኣድጊ ወይ በጊዕ ሰሪቑ፥ እቲ ዝሰረቖ ኣብ ኢዱ ብህይወቱ እንተ ተረኽበ፥ ንሱ ዕፅፊ ገይሩ ይኽፈል።
“ጉቦ ነቶም ዝሪኡ ዘዕውር፥ ዘረባ ፃድቃን ከዓ ዘቐይንን እዩ እሞ፥ ጉቦ ኣይትቀበል።
ረብሓ ንምርካብ ዝሃርፍ ንቤቱ ይህውኻ፤ እቲ ጉቦ ዘይቕበል ግና ብህይወት ይነብር።
በዝ ኸምዙይ ብምብዳሉ ሓጢኣተኛ እንተ ኾነ፥ ነቲ ዝኸተሮ፥ ወይ ነቲ ዝዓመፆ፥ ወይ ነቲ ዝጠለሞ ሕድሪ፥ ወይ ነቲ ጠፊኡ ዝረኸቦ፥
ወይ ነቲ ብዝኾነ ነገር ሓስዩ ዝመሓለሉ ይምለሶ። ብምሉኡ ይምለሶ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ሓምሻይ ኢድ ይወስኸሉ። በታ ኽንዲ በደሉ መስዋእቲ ዘቕርበላ መዓልቲ ነቲ ዋናኡ ይምለሰሉ።
ሙሴ ድማ የመና ተቘጢዑ ንእግዚኣብሄር፥ “መስዋእቶም ኣይትቀበል፤ ካብኣቶም ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣይገበርኩን፤ ሓንቲ ኣድጊ እኳ ኣይወሰድኩሎምን” በሎ።
ንሳቶም ከዓ “ናይ ቄሳር እዩ” በልዎ። “እምበኣር ናይ ቄሳር፥ ንቄሳር፥ ናይ እግዚኣብሄር ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ሃቡ” በሎም።
ዘኬዎስ ከዓ ተሲኡ ንጐይታ “ኦ ጐይታ! እንሆ ፍርቂ ጥሪተይ፥ ንድኻታት እህብ፤ ዝዓመፅክዎ እንተ ሃልዩውን ኣርባዕተ ዕፅፊ እፈድዮ” በሎ።
ኣነ ኻባኻትኩም ካብ ሓደኳ፥ ወርቂ ወይ ብሩር ወይ ክዳን ኣይደለኹን።
እንሆ ናባኻትኩም ክመፅእ እንትዳሎ፥ እዙይ ሳልሳየይ እዩ፤ ሕዚ እውን ሸኽሚ ክኾነኩም ኣይደልን። ኣነ ንኣኻትኩም እምበር፥ ገንዘብኩም ኣይኮንኩን ዝደሊ። ወለዲ እዮም ንውሉዶም ገንዘብ ከዋህልሉሎም ዝግባእ እምበር፥ ውሉድ ኣይኮኑን ንወለዲ ዘዋህልሉሎም።
ፍርዲ ኣይተቐይንኑ፤ ኣድልዎውን ኣይትግበሩ። ጉቦ፥ ዓይኒ ለባማት የዕውር፤ ነገር ፃድቃን ድማ የቐይንን እዩ እሞ፥ ጉቦ ኣይትቀበሉ።
ኣባኻትኩም ኣብ ማእኸል እትኣምኑ፥ ብቕድስናን ብፅድቅን ብዘይ ነቐፋን ከም ዝነበርና፥ ንስኻትኩምን እግዚኣብሄርን ምስክር ኢኹም።
ብቓል ቅብጥር ወይ እናመኽነና ብስስዐ ተደፋፊእና፥ ከም ዘይተዛረብናኩም ትፈልጡ ኢኹም፤ ነዙይ እግዚኣብሄር ምስክርና እዩ።
ነቲ ሓደራ ዝተውሃበኩም መጓሰ እግዚኣብሄር ሓልውዎ፤ እንተ ኾነ፥ ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር፥ ብፍታው እምበር ብግዲ ኣይኹን። ብፅቡቕ ድሌት እምበር፥ ንኸንቱ ረብሓ ኣይኹን።
ሽዑ ሳሙኤል ብልቃጥ ዘይቲ ወሲዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ ሳኦል ኣፍሰሶ እሞ ሰዓሞ፥ ከምዙይ ከዓ በሎ፦ “ኣብ ልዕሊ ርስቱ ሓለቓ ኽትከውን እግዚኣብሄር ቀቢኡካ ኣሎ፤ ንህዝቢ እግዚኣብሄርውን ክትገዝእ ኢኻ፤ ኣብ ዙርያኦም ካብ ዘለዉ ካብ ኢድ ፀላእቶምውን ክተድሕኖም ኢኻ።
ንሳቶም ከዓ “ኣየታለልካናን፤ ግፍዒውን ኣይገፋዕኻናን፤ ካብ ኢድ ሰብውን ዝኾነ እኳ ኣይወሰድካን” በልዎ።
ሳሙኤል ከዓ “ኣብ ኢደይ ምንም ከም ዘይረኸብኩምለይስ፥ በዛ መዓልቲ እዚኣ እግዚኣብሄርን እቲ ንሱ ዝቐብኦን ምስክር እዮም” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ምስክር እዩ” በሉ።
ኣነ ኸዓ ኸም ልበይን ከም ሓሳበይን ዝገብር እሙን ካህን ከተስእ እየ፤ ንእኡ ፅኑዕ ቤት ከቑመሉ እየ፤ ንሱውን ኵልሻዕ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝቐባእክዎ ኸገልግል እዩ።
ኣቦይ፥ እቲ ጫፍ ክዳንካ ኣብ ኢደይ ከም ዘሎ ረአ። ጫፍ ክዳንካ ኽቘርፅ እንተለኹ፥ ንኣኻ ብዘይ ምቕታለይ ክፍኣት ኮነ በደል ከም ዘይብለይ ተረዳእን ፍለጥን። ንስኻ እኳ ኽትቀትለኒ እንተ ደለኻ፥ ኣነ ግና ኸም ዘይበደልኩኻ ርኢኻ ፍለጥ።
ንሰዓብቱ ድማ “ንሱ ቕቡእ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥ ንጐይታይ፥ ነቲ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ፥ ክቐትል ኢለ፥ ኢደይ ካብ ምልዓል እግዚኣብሄር ይሰውረኒ” በሎም።
ዳዊት ነቶም ሰዓብቱ ኸምዙይ ኢሉ ብምዝራብ ገንሖም፤ ንሳኦል ከይቐትልዎ ድማ ኸልከሎም። ሳኦል ከዓ ኻብቲ በዓቲ ወፂኡ መንገዱ ኸደ።
እግዚኣብሄር ንዝቐብኦ ኻብ ምቕታልስ እግዚኣብሄር ይሰውረኒ። ሕዚ ድማ በይዛኻ፥ ነቲ ኣብ ጥቓ ርእሱ ዘሎ ዂናትን ነቲ ርኰት ማይን ውሰድ እሞ ንዓናይ ንኺድ” በሎ።
ዳዊት ግና ንኣቢሳይ “እግዚኣብሄር ንዝቐብኦ ቐቲሉ በደል ዘይኮኖ የለን እሞ፥ ሕደግ ኣይትቕተሎ” በሎ።