16 “ሕዚ ኸዓ ደው ኢልኩም ናብቲ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ዝገብሮ ዓብዪ ነገር ረአዩ።
ሽዑ ሙሴ ነቶም ህዝቢ “ኣይትፍርሑ፤ ፅንዑ፤ ነቲ እግዚኣብሄር ሎሚ ዝገብረልኩም ምድሓን ርአዩ። እዞም ሎሚ እትሪእዎም ግብፃውያን ደጊም ንዘለኣለም ኣይትሪእዎምን ኢኹም።
ደቂ እስራኤል ነቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ግብፃውያን ዝገበሮ ዓብዪ ኢድ ምስ ረአዩ፥ ንእግዚኣብሄር ፈርሕዎ። ብእግዚኣብሄርውን ኣመኑ፤ ብባርያኡ ሙሴውን ኣመኑ።
እምበኣር ሕዝስ ብዛዕባ እቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ዝገበሮ ፅድቂ ግብርታቱ፤ ኣነ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋረደኩምስ ኣብዙይ ደው በሉ።
ሽዑ ሳሙኤል ንሳኦል “እግዚኣብሄር ሎሚ ለይቲ ዝተዛረበኒ ኽነግረካ ፅናሕ” በሎ። ንሱ ኸዓ “ተዛረብ” በሎ።