Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ሳሙኤል 12:12 - መፅሓፍ ቅዱስ

12 “ንጉስ ደቂ ኣሞን ናዖስ ከም ዝመፀኩም ምስ ረአኹም ከዓ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንጉስኩም እንተሎስ፥ ‘ኣይፋሉን፥ ንጉስ ደኣ ኣብ ልዕሌና ይንገስ’ በልኩምኒ።

Ver Capítulo Copiar




1 ሳሙኤል 12:12
15 Referencias Cruzadas  

“ኣነ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ዘርእኻን፥ ብድሕሬኻ ድማ ኣብ ትውልዶም ኪዳነይ ከቕውም እየ። ኣነ ንኣኻን ብድሕሬኻ ድማ ንዘርእኻን ኣምላኽ ከም ዝኾንኩ፥ እዙይ ናይ ዘለኣለም ኪዳን እዩ።


እግዚኣብሄር ግና ቅድሚ ዓለም ንጉስ እዩ፤ ኣብ ማእኸል ምድሪ እውን መድሓኒት ገበረ።


ኣግማድ ላሕሊሑ፥ ነቲ ደቐል ኣፅኒዑ ኣየትርሮን፥ ነቲ ጋንፅላ ኣይግትሮን። ሽዑ ዘመተ ክኸውን እዩ፤ ንሕናውን ብርቱዕ ምርኮ ኽንመቅል ኢና፤ ሓንካሳት እኳ ምርኮ ኽማርኹ እዮም። እግዚኣብሄር ፈራዲና፥ እግዚኣብሄር ሓጋግ ሕግና እዩ፤ እግዚኣብሄር ንጉስና እዩ እሞ፥ ንሱ ኸድሕነና እዩ።


ኵሎም እቶም ኣብ ሞኣብን ኣብ ማእኸል ደቂ ኣሞንን ኣብ ኤዶምያስን ኣብ ኵሉ ሃገራትን ዝነበሩ ኣይሁድ ከዓ፥ እቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ይሁዳ ተረፍ ከም ዝሓደገ፥ ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን ድማ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ኸም ዝሸመሎም ምስ ሰምዑ፥


ኣብ ዅሉ ኸተማታትካ ኸድሕነካስ፥ ንጉስካ ኣበይ ኣሎ? ንጉስን ኣሕሉቕን ሃበኒ ኢልካ ዝተናገርካዮ፥ መሳፍንትኻ ኣበይ ኣለዉ?


ኣብ ያእቆብ ክፍኣት ኣይተመልከተን፤ ኣብ እስራኤል ከዓ ሕሰም ኣይረኣየን፤ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ምስኣቶም እዩ፤ ዕልልታ እቲ ንጉስውን ኣብ ማእኸሎም ኣሎ።


ጌዴዎን ከዓ “ኣነስ ኣይገዝአኩምን፤ ወደይውን ኣይገዝአኩምን፤ እግዚኣብሄር ደኣ ይግዛእኹም” በሎም።


ንስኻትኩም ግና ሎሚ ኣብ ልዕሊ ቤት ኣቦይ ተልዓልኩም። ንብሰብዓኦም ደቁ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓደ እምኒ ቐተልኩምዎም፤ ሓውኩም ስለ ዝኾነ ኸዓ ንኣቢሜሌክ ወዲ እታ ኣገልጋሊት ኣቦይ ኣብ ሴኬም ኣንገስኩምዎ።


ንስኻትኩም ግና ሎሚ ነቲ ኻብ ኵሉ መከራን ጭንቀትን ዘድሕነኩም ኣምላኽ ነዓቕኩምዎ፤ ንእኡ ኸዓ ‘ኣይፋልካን! ንጉስ ደኣ ኣንግሰልና’ በልኩምዎ። እምበኣር ሕዚ በብነገድኩምን በብማይ ቤትኩምን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅረቡ” በሎም።


እቶም ደቁ ግና ብመንገዱ ኣይከዱን፤ ናብ ስስዕና ደኣ ዘምበሉ፤ ጉቦ እናተቐበሉውን ፍርዲ የቐይንኑ ነበሩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos