Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ሳሙኤል 12:11 - መፅሓፍ ቅዱስ

11 እግዚኣብሄር ከዓ ንይሩበዓልን ንባርቅን ንዮፍታሔን ንሳሙኤልን ልኢኹ፥ ካብ ኢድ እቶም ኣብ ዙርያኹም ዝነብሩ ዘለዉ ፀላእትኹም ኣድሓነኩም፤ ሃዲእኹም ድማ ተቐመጥኩም።

Ver Capítulo Copiar




1 ሳሙኤል 12:11
13 Referencias Cruzadas  

እግዚኣብሄር ካብ ኢድ ሶርያውያን ዘድሕኖም መራሒውን ሃቦም፤ ካብ ኢድ ሶርያውያንውን ደሓኑ። ደቂ እስራኤል ከዓ ኸም ቀደሞም ኣብ ድንኳናቶም ተቐመጡ።


ዑላም ድማ ንባዳን ወለደ፤ እዚኣቶም ደቂ ገለዓድ ወዲ ማኪር፥ ወዲ ምናሴ እዮም።


ንባርቅ ወዲ ኣቢኒኤም፥ ካብ ቃዴስ ካብ ምድሪ ንፍታሌም፥ ብልኡኽ ፀዊዓ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ኪድ! ካብ ደቂ ንፍታሌምን ካብ ደቂ ዛብሎንን ምሳኻ ዓሰርተ ሽሕ ሰብ ሒዝካ ናብ እምባ ታቦር ተጕዓዝ።


ሽዑ እግዚኣብሄር ናብኡ ግልፅ ኢሉ “እንሆ ኣነ እልእኸካ ኣለኹ፤ በቲ ዘለካ ሓይሊ ድማ ኼድካ ንእስራኤል ካብ ኢድ ምድያማውያን ኣድሕኖም” በሎ።


ኢዮኣስ ከዓ ነቶም ክቃወምዎ ዝተስኡ ዅሎም “ንበዓልዶ ኽትማጐቱሉ ኢኹም፥ ወይ ከዓ ኽተድሕንዎዶ ደሊኹም? እቲ ኽማጐተሉ ዝደሊ፥ ምድሪ እንተይወግሐት ይቀተል፤ ንሱ ኣምላኽ እንተ ኾይኑስ፥ ነቲ መሰውኢኡ ዘፍረሰሉ ሰብ ባዕሉ ይማጐቶ” በሎም።


ስለዙይ ኢዮኣስ በታ መዓልቲ እቲኣ “በዓል፥ ነቲ መሰውኢኡ ዘፍረሰሉ ሰብ ባዕሉ ይማጐቶ” ኢሉ ንጌዴዎን “ይሩበዓል” ኢሉ ሰመዮ።


ንፅባሒቱ ድማ ይሩበዓል፥ ዝተብሃለ ጌዴዎንን፥ እቲ ዅሉ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ኣንጊሆም ተስኡ፤ ኣብ ጥቓ ዓይኒ ማይ ሓሮድ ከዓ ሰፈሩ። ሰፈር ምድያም ድማ ብወገን ሰሜኖም ኣብ ኰረብታ ሞሬ፥ ኣብቲ ጥቓ ለሰ ነበረ።


ይሩበዓል ኢዮኣስ ከዓ ኸይዱ ኣብ ገዛኡ ተቐመጠ።


ንቤት ይሩበዓል ንጌዴዎን ከምቲ ንሱ ንእስራኤል ዝገበረሎም ኵሉ ፅቡቕ ነገር፥ ዝኾነ ሞሳ እኳ ኣይመለሱሉን።


ኵሉ እስራኤልውን፥ ካብ ዳን ክሳዕ ቤርሳቤህ፥ ሳሙኤል እሙን ነቢይ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ ፈለጠ።


ፍልስጥኤማውያን ተስዓሩ፤ ብድሕሪኡ መሊሶም ንወሰን እስራኤል ኣይወረርዎን። ብዅሉ ዘመን ሳሙኤል ድማ መቕፃዕቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤማውያን ከቢዱ ነበረ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos