10 ሽዑ፥ ‘ንእግዚኣብሄር ሓዲግና ንጣዖታት በዓልን ኣስታሮትን ብምግልጋል በዲልና ኢና፤ ሕዚ ግና ኻብ ፀላእትና ኣድሕነና፤ ንሕና ድማ ኽነገልግለካ ኢና’ ኢሎም ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ።
ንሳቶም ናብኡ ምስ ኣእወዩ ግና ሰምዖም፤ መከራኦም ድማ ተመልከተ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ብእዋን መከራኦም ደለዩኻ፤ ምስ ቀፃዕኻዮም ልመናኦም ናባኻ ኣፍሰሱ።
ኣግማድ ላሕሊሑ፥ ነቲ ደቐል ኣፅኒዑ ኣየትርሮን፥ ነቲ ጋንፅላ ኣይግትሮን። ሽዑ ዘመተ ክኸውን እዩ፤ ንሕናውን ብርቱዕ ምርኮ ኽንመቅል ኢና፤ ሓንካሳት እኳ ምርኮ ኽማርኹ እዮም። እግዚኣብሄር ፈራዲና፥ እግዚኣብሄር ሓጋግ ሕግና እዩ፤ እግዚኣብሄር ንጉስና እዩ እሞ፥ ንሱ ኸድሕነና እዩ።
ፍርቂ ገለዓድ፥ ኣብ ባሳን ዝርከባ ኸተማታት መንግስቲ ዓግ ዝሓውስ ኣስታሮትን ኤድሬዒን እዩ። እዙይ ንፍርቂ ደቂ ማኪር ወዲ ምናሴ ኸከም ዓሌቶም ተውሃበ።
ሽዑ ደቂ እስራኤል “ንኣኻ ንኣምላኽና ሓዲግና ንኣማልኽቲ በዓሊም ኣምሊኽና ኢና እሞ፥ በዲልና ኢና” ኢሎም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ።
ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ፤ ነቶም በዓሊም ዝበሃሉ ኣማልኽቲ እውን ኣምለኹ።
ንእግዚኣብሄር ምምላኽ ሓዲጎም በዓልን ኣስታሮትን ተብሂሎም ንዝፅውዑ ኣማልኽቲ ሰገዱ።
ደቂ እስራኤል ግና ናብ እግዚኣብሄር ደጊሞም ተማህለሉ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንናዖድ ወዲ ጌራ፥ ካብ ነገድ ብንያም ዝኾነ ኣባግራይ ሰብኣይ፥ መድሓኒ ኣተስአሎም። ደቂ እስራኤል ከዓ ብእኡ ገይሮም ናብ ዔግሎም ንጉስ ሞኣብ ግብሪ ሰደዱ።
ደቂ እስራኤል ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኵሉ ኽፉእ ዝኾነ ነገር ገበሩ፤ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ረሲዖም ድማ ነቶም በዓሊምን ኣስታሮትን ዝበሃሉ ጣዖታት ኣምለኹ።
ግና ደቂ እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንደቂ እስራኤል ዘድሕኖም መድሓኒ፥ ንጎቶንያል ኣተስአሎም፤ ንሱ ወዲ ቄኔዝ፥ ወዲ ንእሽተይ ሓዉ ንካሌብ ነበረ።
ኢያቢስ ድማ ትሽዓተ ሚእቲ ሰረገላ ሓፂን ነበሮ፤ ንደቂ እስራኤል ከዓ ዕስራ ዓመት ብሓይሊ ገዝኦም። ሽዑ ደቂ እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ።
ደቂ እስራኤል ብሰንኪ ምድያማውያን ናብ እግዚኣብሄር ምስ ጠርዑ ኸዓ፥
እቲ ታቦት ኣብ ቂርያትየዓሪም ካብ ዝቕመጥ ጊዜኡ ነውሐ፤ ኣስታት ዕስራ ዓመትውን ኮነ። ኵሎም ቤት እስራኤል ድማ ሓዚኖም ናብ እግዚኣብሄር ይቝዝሙ ነበሩ።
ሽዑ ኣብ ምፅጳ ተኣከቡ፤ ማይ ቀዲሖም ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከም መስዋእቲ ኣፍሰስዎ፤ በታ መዓልቲ እቲኣውን ፆሙ፤ ኣብኡ ኸዓ “ንእግዚኣብሄር በዲልና ኢና” ኢሎም ተናዘዙ። ሳሙኤል ድማ ንደቂ እስራኤል ኣብ ምፅጳ ፈረደ።