1 ሳሙኤል ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “እንሆ፥ ኵሉ እቲ ዝበልኩምኒ ቓል ሰሚዐ ንጉስ ኣንገስኩልኩም።
ብቝጥዓይ ንጉስ ሃብኩኻ፤ ብመዓተይውን ሰዓርክዎ።
ሽዑ ሳሙኤል ብልቃጥ ዘይቲ ወሲዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ ሳኦል ኣፍሰሶ እሞ ሰዓሞ፥ ከምዙይ ከዓ በሎ፦ “ኣብ ልዕሊ ርስቱ ሓለቓ ኽትከውን እግዚኣብሄር ቀቢኡካ ኣሎ፤ ንህዝቢ እግዚኣብሄርውን ክትገዝእ ኢኻ፤ ኣብ ዙርያኦም ካብ ዘለዉ ካብ ኢድ ፀላእቶምውን ክተድሕኖም ኢኻ።
ሳሙኤል ድማ ንዅሎም እቶም ህዝቢ “እቲ እግዚኣብሄር ዝሓረዮ፥ ኣብ ኵሉ ህዝቢ ኸምኡ ዝበለ ኸም ዘየለ፥ ርኢኹምዶ?” በሎም። ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ “ንጉስ ህያው ይኹን” እናበሉ ዕልል በሉ።
ሕዚ እውን ቃሎም ስማዕ፤ ግና ፅኑዕ ምስክርነት መስክረሎም፤ ናይቲ ኣብ ልዕሊኣቶም ዝነግስ ንጉስ ስርዓትውን ንገሮም።”