9 ነቶም ዝመፁ ልኡኻት ድማ “ንሰብ ኢያቤስ ናይ ገለዓድ ‘ፅባሕ ፀሓይ ምስ በርትዐት ምድሓን ክኾነልኩም እዩ’ ኢልኩም ንገርዎም” በልዎም። እቶም ልኡኻት ድማ ኸይዶም ንሰብ ኢያቤስ ነገርዎም፤ ንሳቶም ከዓ ተሓጐሱ።
ዳዊት ድማ ናብ ሰብ ኢያቢስ ገለዓድ ልኡኻት ሰዲዱ “ንጐይታኹም ሳኦል ብምቕባርኩም ሰናይ ጌርኩምሉ ኢኹም እሞ እግዚኣብሄር ይባርኽኩም።
ጀጋኑ ዝኾኑ ዅሎም ሰባት ተሲኦም ከዱ እሞ፥ ንሬሳ ሳኦልን ንሬሳታት ደቁን ወሲዶም ናብ ኢያቢስ ኣምፅእዎም። ነቲ ኣዕፅምቶም ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ ኢያቢስ ዘላ ዓባይ ኦም ቀበርዎ፤ ሸውዓተ መዓልቲ ኸዓ ፆሙ።
ካብቶም ብርቱዓት ፀላእተይ፥ በርቲዖምኒ ነይሮም እዮምሞ፥ ካብቶም ዝፀልኡኒ ፀላእተይውን ኣድሓነኒ።
“ካብ ነገዳት እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር፥ ናብ ምፅጳ ዘይደየበ መን እዩ?” ኢሎም ከዓ ጠየቑ። እንሆ ኸዓ ኻብ ኢያቢስ ገለዓድ ናብ ሰፈር፥ ናብታ ጉባኤ ሓደ እኳ ዝመፀ ኣይነበረን።
እቶም ሰብ ኢያቤስ ከዓ ንኣሞናውያን “ፅባሕ ክንወፀልኩም ኢና፤ ሽዑ ኸም ዝደለኹም ትገብሩና” በልዎም።
ሳኦል ኣብ ቤዜቅ ምስ ቈፀሮም ደቂ እስራኤል ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ፥ ደቂ ይሁዳ ኸዓ ሰላሳ ሽሕ ኮኑ።
እቶም ኣብ ኢያቢስ ገለዓድ ዝነብሩ ህዝቢ፥ እቲ ፍልስጥኤማውያን ንሳኦል ዝገበርዎ ሰምዑ።