Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ሳሙኤል 11:7 - መፅሓፍ ቅዱስ

7 ነቶም ፅምዲ ብዕራይ ወሲዱ ድማ ቘራረፆም፤ “እቲ ወፂኡ ደድሕሪ ሳኦልን ደድሕሪ ሳሙኤልን ዘይስዕብ፥ ኣብዑሩ ኸምዙይ ክግበሩ እዮም” ኢሉ ነቶም ቍርፅራፅ ስጋ ዝሓዙ ልኡኻት ናብ ኵላ ወሰን ምድሪ እስራኤል ሰደዶም። ሽዑ እቶም ህዝቢ እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝወርድ መዓት ኣደንጊፁዎም ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም ወፁ።

Ver Capítulo Copiar




1 ሳሙኤል 11:7
8 Referencias Cruzadas  

ክጐዓዙ ኸዓ ጀመሩ፤ ኣብተን ኣብ ዙርያኣቶም ዝነበራ ኸተማታት ድማ ኻብ እግዚኣብሄር ዓብዪ ፍርሓት ወደቐን። ንደቂ ያእቆብ ከሳጕጎም ኢሉ ዝሰዓቦም ከዓ ሓደ እኳ ኣይነበረን።


እግዚኣብሄር ነተን ኣብ ዙርያ ጌራራ ዘለዋ ኸተማታት ራዕዲ ስለ ዝሰደደለን ድማ ንዅለን ሰዓርወን። ኣብኣተን ከዓ ብዙሕ ምርኮ ስለ ዝነበረ ንዅለን ዘመትወን።


ኣብ ልዕሊ ዅለን እተን ኣብ ዙርያ ይሁዳ ዝነበራ መንግስታት ከዓ ኻብ እግዚኣብሄር ፍርሓት ስለ ዝወረደ ምስ ኢዮሳፍጥ ኣይተዋግኣን።


እምበኣርከስ ፍርሓት እግዚኣብሄር ይሃሉኹም። ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዓመፅን፥ ገፅ ርኢኻ ምድላውን፥ ጉቦ ምቕባልን የለንሞ ተጠንቂቕኩም ፍረዱ” በሎም።


ግና ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ቀድስዎ፤ ዘፍርሐኩምን ዘደንግፀኩምን ንሱ ይኹን።


ኣብ ገዛኡ ምስ ኣተወ፥ ካራ ወሲዱ ነታ ናይ ወሰን ሰበይቱ ሒዙ በቲ መፈላለዪ ኣዕፅምታ ኣብ ዓሰርተ ኽልተ ቝራፅ ቘራሪፁ፥ ናብ ኵላ ምድሪ እስራኤል ሰደዶ።


ሽዑ ዅሎም ደቂ እስራኤል ወፁ። እቲ ማሕበርውን ካብ ዳን ክሳዕ ቤርሳቤህን ካብ ምድሪ ገለዓድንውን ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ምፅጳ ተኣከቡ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos