6 ሳኦል ድማ እዝ ነገር እዙይ ምስ ሰምዐ፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ወረደ፤ ቍጥዓኡውን የመና ነደደ።
ሙሴ ናብቲ ሰፈር ምስ ቀረበ፥ ነቲ ምራኽን ነቲ ስዕስዒትን ሪኡ፥ ቍጥዓኡ ነደደ እሞ፥ ነተን ፅላት ካብ ኢዱ ደርበየን፤ ኣብ እግሪ እቲ እምባ ኸዓ ሰበረን።
ሙሴ፥ ኣብ ልዕሊ ገፅ ምድሪ ኻብ ዘሎ ሰብ ትሕትና ዝመልኦ ሰብ ነበረ።
በቲ ትረት ልቦም ጕህዩ፥ ነቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ ዅሎም፥ ብቝጥዓ ጠመቶም፤ ነቲ ሰብኣይ ከዓ “ኢድካ ዘርግሕ!” በሎ፤ ንሱ ድማ ዘርግሓ፤ እታ ኢዱውን ሓወየት።
ተቘጥዑ፤ ግና ሓጢኣት ኣይትግበሩ፤ ኣብ ቍጥዓኹም፥ ፀሓይ ኣይትዕረብኩም፤
ሽዑ መንፈስ እግዚኣብሄር ናብ ልዕሊ ዮፍታሔ መፀ እሞ፥ ብገለዓድን ብምናሴን ኣቢሉ ብምፅጳ ናይ ገለዓድ ሓለፈ፤ ካብ ምፅጳ ናይ ገለዓድ ከዓ ምስ ደቂ ኣሞን ክዋጋእ ሓለፈ።
ኣብ ሰፈር ዳን ኣብ መንጎ ፆርዓን ኤሽታዖልን እንተሎ ድማ፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ከነቓቕሖ ጀመረ።
መንፈስ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብኡ ወረደ፤ ኣብ ኢዱ ዝኾነ መሳርሒ እንተይሓዘ፥ ንማሕስእ ከም ዝሰላልዕዎ ሰላልዖ። እቲ ዝገበሮ ግና ነቦኡ ኾነ ንኖኡ ኣይነገሮምን።
ናብ ሌሒ ምስ ቀረበ ኸዓ፥ እቶም ፍልስጥኤማውያን ዕልል እናበሉ ተቐበልዎ። መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ናብ ልዕሊኡ ወረደ፤ እቲ ኣብ ቀላፅሙ ዝነበረ ገመዳት ከዓ ሓዊ ኸም ዝበልዖ ፈትሊ እንጣጢዕ ኾነ። እቲ መእሰሪኡ መኺኹ ኸዓ ኻብ ኣእዳዉ ወደቐ።
መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ነበረ፤ ኣብ ልዕሊ እስራኤልውን ይፈርድ ነበረ። ክዋጋእ ኸዓ ወፀ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንኵሰርሰቴም ንጉስ መስጴጦምያ ናብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሃቦ። ኢዱውን ንኵሰርሰቴም ሰዓረቶ።
መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ጌዴዎን ወረደ። ንሱ መለኸት ነፊሑ ንኣቤዔዝራውያን ፀውዖም፤ ተኣኪቦም ከዓ ሰዓብዎ።
ናብታ ዀረብታ ምስ መፁ ድማ፥ እንሆ ጉባኤ ነቢያት ተቐበልዎ፤ መንፈስ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ እሞ፥ ኣብ ማእኸሎም ኮይኑ ተነበየ።
መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሌኻ ኽወርድ እዩ፤ ምስኣቶም ድማ ኽትንበ ኢኻ፤ ካልእ ሰብ ኴንካ ድማ ኽትልወጥ ኢኻ።
ሽዑ ሳሙኤል ናይ ዘይቲ ቐርኒ ኣልዒሉ ኣብ ቅድሚ ኣሕዋቱ ቐብኦ። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንነዘው ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዳዊት ሓደረ። ሳሙኤል ከዓ ተሲኡ ናብ ኣርማቴም ከደ።
መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ኻብ ሳኦል ረሓቐ፤ ካብ እግዚኣብሄር ዝተልኣኸ ኽፉእ መንፈስ ከዓ የሳቕዮ ነበረ።