5 እንሆ ድማ ሳኦል ኣብ ማሕረስ ውዒሉ፥ ኣብዑር እናዀብኰበ መፀ። “እዝ ህዝቢ ዝበኪ ዘሎ እንታይ ኮይኑ እዩ?” ድማ በለ። ንሳቶም ከዓ ነቲ ዘረባ ሰብ ኢያቤስ ንሳኦል ነገርዎ።
ኣምላኽ ከዓ ድምፂ እቲ ቘልዓ ሰምዐ። መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ንኣጋር “ኣጋር፥ እንታይ ኴንኪ ኢኺ? እግዚኣብሄር ድምፂ እቲ ቘልዓ ኣብታ ዘለዋ እንተሎ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፥ ኣይትፍርሒ።
ኤልያስ ከዓ ኻብኡ ኸይዱ ንኤልሳዕ ወዲ ሳፋጥ፥ ዓሰርተ ኽልተ ፅምዲ ብዕራይ ገይሩ ኸሕርስ እንተሎ ረኸቦ፤ ኤልሳዕ ባዕሉ ኸዓ በቶም መበል ዓሰርተ ኽልተ ፅምዲ ኣብዑር ይሓርስ ነበረ። ኤልያስ ድማ ናብኡ ሓሊፉ ባርኖሱ ኣውደቐሉ።
ንህዝቡ ያእቆብን፥ ንርስቱ እስራኤልን ምእንቲ ኽሕሉ፥ ካብ ዘጥብዋ ኣባጊዕ ኣምፅኦ።
ብዛዕባ ለሰ ራእይ ዝተነግረ ፆር። ኵልኹም ናብ ናሕሲ ዝደየብኩምስ እንታይ ኴንኩም ኢኹም?
ንደቂ ዳን ድማ ፀውዕዎም። ደቂ ዳን ከዓ ገፆም መሊሶም ንሚካ “ብኣውያት ሰብካ እትእክብ እንታይ ኴንካ ኢኻ?” በልዎ።
ካብ ነገድ ብንያም ቂስ ዝበሃል ሓያል ጅግና ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ወዲ ኣቢኤል፥ ወዲ ፀሮር፥ ወዲ ብኮራት፥ ወዲ ብንያማዊ ኣፌቅ ፅኑዕ ሓያል ሰብ ነበረ።