Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ሳሙኤል 11:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2 እቲ ኣሞናዊ ናዖስ ኸዓ “ንዅልኹም የማነይቲ ዓይንኹም ብምምዝሓቝ እየ ምሳኻትኩም ኪዳን ዝኣቱ፤ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤልውን ነውሪ ኽገብር እየ” በሎም።

Ver Capítulo Copiar




1 ሳሙኤል 11:2
11 Referencias Cruzadas  

ከምዙይ ድማ በልዎም፦ “ሓፍትና ንዘይተገረዘ ሰብኣይ ክንህብ የነውረና እዩ እሞ፥ ነዝ ነገር እዙይ ክንገብሮ ኣይንኽእልን ኢና።


“ንሕዝቅያስ ኣይትስምዕዎ። ንጉስ ኣሶር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ምሳይ ተዓረቑ፤ ናባይ ውፁ፤ ነፍሲ ወከፍ ወይኑ፥ ነፍሲ ወከፍ ድማ በለሱ ይብላዕ፤ ነፍሲ ወከፍ ከዓ ኻብ ዒላኡ ማይ ይስተ።


ንጐረባብትና መፃረፊ፥ ኣብ ዙርያና ንዝነብሩ ኸዓ መስሓቕን መላገፂኦምን ገበርካና።


ኣነ ኣምላኽ ኣቦታትካ፥ ኣምላኽ ኣብርሃም፥ ኣምላኽ ይስሓቅ፥ ኣምላኽ ያእቆብ እየ” በሎ። ሙሴ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ከይሪኦ ስለ ዝፈርሐ፥ ገፁ ኸደነ።


ፃድቕ ሰብ ንነፍሲ እንስሳኡ ይርህርህ፤ ልቢ ሓጥኣን ግና ጨካን እዩ።


ንሴዴቅያስውን ነዒንቱ ኣውፅአን፤ ናብ ባቢሎን ክወስዶ ድማ፥ ብመቝሕ ነሃስ ኣሰሮ።


ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኣየእተኻናን፤ ገራሁን ኣታኽልቲ ወይንን ከዓ ኣየውረስካናን። ኣዒንቲ እዞም ሰባት እዚኣቶምዶ ኽተንቍር ደሊኻ ኢኻ? ኣይንመፅእን” በሉ።


እቶም ፍልስጥኤማውያን ግና ሒዞም ኣዒንቱ ጐጥጐጥዎ። ኣብ ጋዛ ኣውሪዶም ድማ ብሞቕሕ ነሃስ ኣሰርዎ፤ ኣብቲ ቤት እሱራት ከዓ ይጥሕን ነበረ።


እቶም ሰብ ኢያቤስ ከዓ ንኣሞናውያን “ፅባሕ ክንወፀልኩም ኢና፤ ሽዑ ኸም ዝደለኹም ትገብሩና” በልዎም።


“ንጉስ ደቂ ኣሞን ናዖስ ከም ዝመፀኩም ምስ ረአኹም ከዓ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንጉስኩም እንተሎስ፥ ‘ኣይፋሉን፥ ንጉስ ደኣ ኣብ ልዕሌና ይንገስ’ በልኩምኒ።


ዳዊት ድማ ነቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሰባት “እዝ ዘይግሩዝ ፍልስጥኤማዊ እዙይ፤ ንሰራዊት ህያው እግዚኣብሄር ዘባጩ ዘሎ እንታዋይ እዩ? ነዝ ፍልስጥኤማዊ እዙይ ቀቲሉ ኻብ እስራኤል ውርደት ንዘርሕቕ ሰብኣይከ እንታይ ክግበረሉ እዩ?” ኢሉ ጠየቖም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos