12 ሽዑ እቶም ህዝቢ ንሳሙኤል “ ‘እቲ ሳኦል ኣብ ልዕሌና ኣይነግስን እዩ’ ዝበለ መን እዩ? ነቶም ሰባት እቲኣቶም ክንቀትሎም ኣምፅኣዮም” በልዎ።
ኢድካ ንዅሎም ፀላእትኻ ትርከቦም፤ የማነይቲኻውን ንዅሎም ዝፀልኡኻ ትራኸቦም።
ነዞም ኣነ ኣብ ልዕሊኣቶም ክነግስ ዘይደለዩ ፀላእተይ ግና፥ ናብዙይ ኣምፂእኹም፥ ኣብ ቅድመይ ቅተልዎም’ ” በለ።
ሓድሓደ ኽፉኣት ሰባት ግና “እዙይ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኸድሕነና እዩ?” ኢሎም ስለ ዝነዓቕዎ፥ ገፀ በረኸት ኣይሃብዎን። ንሱ ግና ኸም ዘይሰምዐ ኾነ።