Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ሳሙኤል 11:11 - መፅሓፍ ቅዱስ

11 ንፅባሒቱ ኸዓ ሳኦል ንህዝቢ እስራኤል ኣብ ሰለስተ ኽፍሊ መቐሎም። ወጋሕታ ምስ ኮነ ኸዓ ናብቲ ሰፈር ኣሞናውያን ኣትዮም፥ ቀትሪ ኽሳዕ ዝኸውን ወቕዕዎም። እቶም ካብኣቶም ዝተረፉ ኸዓ ፋሕ በሉ፤ ነንበይኖም ከዓ ሃደሙ።

Ver Capítulo Copiar




1 ሳሙኤል 11:11
14 Referencias Cruzadas  

ኣብርሃም ከዓ ነቲ ቦታ እቱይ “እግዚኣብሄር ከዳሉ እዩ” ኢሉ ሰመዮ። ክሳዕ ሎሚ “ኣብቲ እምባ እግዚኣብሄር፥ ከዳሉ እዩ” ይበሃል።


ሓደ ሲሶ ኣብ ትሕቲ ኢዮኣብ፥ ሓደ ሲሶ ድማ ኣብ ትሕቲ ኣቢሳ ወዲ ፅሩያ ሓው ኢዮኣብ፥ ሓደ ሲሶውን ኣብ ትሕቲ እቲ ጌታዊ ኢታይ ገይሩ ሰደዶ። እቲ ንጉስ ድማ ነቶም ህዝቢ፥ “ኣነውን ርግፅ ምሳኻትኩም ክወፅእ እየ” በሎም።


ኣምላኽና መዕቘቢናን ሓይልናን፥ ብዝረኸበና ብርቱዕ መከራውን ረዳኢና እዩ።


ኣጋ ወጋሕታ ምስ ኮነ ድማ፥ እግዚኣብሄር ካብቲ ዓምዲ ሓዊን ዓምዲ ደመናን፥ ናብ ሰራዊት ግብፃውያን ጠመተ፤ ንሰራዊት ግብፃውያንውን ኣርዓዶም።


እቲ ምሕረት ዘይገበረ፥ ብዘይ ምሕረት ክፍረድ እዩ እሞ፤ ይኹን እምበር፥ ምሕረት ኣብ ልዕሊ ፍርዲ ትምካሕ እያ።


ኣዶኒቤዜቅ ድማ፦ “ዓባይቶ ኣእዳዎምን ዓባይቶ ኣእጋሮምን ዝተቘርፁ ሰብዓ ነገስታት ኣብ ትሕቲ ማእደይ ርፍራፍ ይላቐሙ ነይሮም እዮም፤ ኣምላኽ ከምቲ ግብረይ ፈደየኒ” በለ። ደቂ ይሁዳ ናብ ኢየሩሳሌም ኣምፅእዎ፤ ኣብኣውን ሞተ።


ባርቅ ድማ ነተን ሰረገላታትን ነቶም ሰራዊትን ደድሕሪኣቶም ስዒቡ ኽሳዕ ትሕዝቶ ኣህዛብ ዝኾነት ኣሪሶት ኣሳጐጎም። ኵሉ ሰራዊት ሲሳራ ኸዓ ብስሕለት ሰይፊ ወደቐ፤ ሓደ እኳ ኣይተረፈን።


ነዞም ሰለስተ ሚእቲ ሰባት ድማ ኣብ ሰለስተ ኽፍሊ መቐሎም፤ ኣብ ኢድ ኵሎም ከዓ መለኸትን ጥራሑ ሳርማን፥ ኣብ ውሽጢ እቲ ሳርማታትውን ሽግ ሃቦም።


እቶም ዝተረፉ ኽልተ ኽፍልታት ድማ መለኸቶም ነፍሑ፤ ነቲ ሳርማታትውን ሰበርዎ፤ ኵሎም ከዓ ብፀጋማይ ኢዶም መብራህቲ ሓዙ፤ ምእንቲ ኽነፍሑ፥ ከዓ ብየማነይቲ ኢዶም መለኸት ሓዙ፤ ዓው ኢሎም ድማ “እዙይ ኲናት እግዚኣብሄርን ጌዴዎንን እዩ” በሉ።


ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝቢ ወሲዱ ኸዓ ኣብ ሰለስተ ሰራዊት መቐሎ፤ ኣብ በረኻ ኸዓ ሕቡእ ደጀን ኣንበረ። እንሆ ድማ እቲ ህዝቢ ኻብ ከተማ ኽወፅእ ምስ ረአየ ተሲኡ ቐተሎም።


እቲ ኣሞናዊ ናዖስ ኸዓ “ንዅልኹም የማነይቲ ዓይንኹም ብምምዝሓቝ እየ ምሳኻትኩም ኪዳን ዝኣቱ፤ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤልውን ነውሪ ኽገብር እየ” በሎም።


ሳኦል ኣብ ልዕሊ ደቂ እስራኤል መንግስቲ ምስ ሓዘ ድማ ምስቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ ዅሎም ፀላእቱ፥ ምስ ሞኣብን ምስ ደቂ ኣሞንን ምስ ኤዶምያስን ምስ ነገስታት ሱባን ምስ ፍልስጥኤማውያንን ተዋግአ፤ ኣብ ዝተዋግአሉ ዅሉ ኸዓ ይዕወት ነበረ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos