10 እቶም ሰብ ኢያቤስ ከዓ ንኣሞናውያን “ፅባሕ ክንወፀልኩም ኢና፤ ሽዑ ኸም ዝደለኹም ትገብሩና” በልዎም።
ንጉስ እስራኤል ከዓ “ጐይታይ ንጉስ ከምቲ ዘረባኻ እዩ፥ ኣነን እቲ ዅሉ ዘለንን ናትካ ኢና” ኢሉ መለሰሉ።
ነቶም ዝመፁ ልኡኻት ድማ “ንሰብ ኢያቤስ ናይ ገለዓድ ‘ፅባሕ ፀሓይ ምስ በርትዐት ምድሓን ክኾነልኩም እዩ’ ኢልኩም ንገርዎም” በልዎም። እቶም ልኡኻት ድማ ኸይዶም ንሰብ ኢያቤስ ነገርዎም፤ ንሳቶም ከዓ ተሓጐሱ።