5 “ድሕሪዙይ ናብቲ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ዘለውዎ ዀረብታ እግዚኣብሄር ክትበፅሕ ኢኻ። ናብታ ኸተማ ኽትኣቱ እንተለኻ ድማ፥ ብበገናን ከበሮን እምብልታን መሰንቆን ዝተሰነዩ ጉባኤ ነቢያት፥ ካብቲ ኣብ በሪኽ ዘሎ መስገዲ እንትወርዱ ኽትረክብ ኢኻ፤ ንሳቶም ከዓ ኽንበዩ እዮም።
ፍርቂ መዓልቲ ምስ ሓለፈ፥ ክሳዕ እቲ መስዋእቲ ሰርኪ ዝበፅሕ ትንቢት ይናገሩ ነበሩ፤ ግና ድምፂ ኣይነበረን፤ ዝምልስውን ኣይነበረን፤ ዘድምፅውን ኣይነበረን።
እቶም ኣብ ኢያሪኮ ኣብ ማዕዶኡ ዝነበሩ ደቂ ነቢያት ምስ ረአይዎ ድማ “መንፈስ ኤልያስ ኣብ ልዕሊ ኤልሳዕ ሓዲሩ ኣሎ” በሉ። ክራኸብዎ መፂኦም ከዓ ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ኢድ ነስኡሉ።
እቶም ኣብ ቤቴል ዝነበሩ ደቂ ነቢያት ከዓ ናብ ኤልሳዕ መፂኦም “እግዚኣብሄር ንጐይታኻ ሎሚ ኻባኻ ኸም ዝወስዶዶ ፈሊጥካ ኣለኻ?” በልዎ። ኤልሳዕ ድማ “እወ፥ ፈሊጠ ኣለኹ፤ ግና ስቕ ደኣ በሉ” በሎም።
እቶም ኣብ ኢያሪኮ ዝነበሩ ደቂ ነቢያት ድማ ናብ ኤልሳዕ ቀሪቦም “እግዚኣብሄር ንጐይታኻ ሎሚ ኻባኻ ኸም ዝወስዶዶ ትፈልጥ ኢኻ?” በልዎ። ኤልሳዕ ከዓ “እወ ፈሊጠ ኣለኹ፤ ግና ስቕ ደኣ በሉ” በሎም።
ሓምሳ ኻብ ደቂ ነቢያት ከዓ ከዱ፤ ኣብ ርሑቕ ኮይኖም ድማ ኣብ መንፅሮም ደው በሉ። ኤልያስን ኤልሳዕን ከዓ ኣብ ወሰን ዮርዳኖስ ደው በሉ።
“ሕዚ ኸዓ ሓደ በዓል በገና ኣምፅኡለይ” በለ። እቲ በዓል በገና ኸዓ በገናኡ ምስ ቃነየ፥ ሓይሊ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ወረደ።
ኤልሳዕ ከዓ ናብ ጌልገላ ተመለሰ፤ ኣብታ ሃገር ድማ ጥሜት ነበረ። እቶም ደቂ ነቢያት ከዓ ኣብ ቅድሚኡ ተቐሚጦም ነበሩ። ነቲ ሓሽከሩ ድማ “ነቲ ዓብዪ ቝራዕ ሰኽቲትካ ነዞም ደቂ ነቢያት ፀብሒ ኣፍልሐሎም” በሎ።
እቶም ደቂ ነቢያት ንኤልሳዕ “እንሆ እዛ ኣብ ቅድሜኻ እንነብረላ ዘለና ቦታ ፀቢባትና ኣላ።
ሽዑ ዳዊት ኣብ ውሽጢ እቲ ዕርዲ ነበረ፤ ሓሻኽር ፍልስጥኤማውያን ድማ ንቤተ ልሔም ሒዞምዋ ነበሩ።
ዳዊትን ኵሎም እስራኤልን ከዓ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብዅሉ ሓይሎም ብመዝሙራትን ብበገናን ብመሰንቆን ብኸበሮን ብፀናፅልን ብመለኸታትን ብምሉእ ሓይሎም ይዝምሩ ነበሩ።
ሄማንን የዱቱንን ብመለኸታትን ብፀናፅልን በቲ ዝተረፈ ናይ ምስጋና መሳርሒ ሙዚቃን ኣድሚቖም ክቓንዩ ዝተመረፁ ነበሩ። ንደቂ የዱቱን ከዓ ሓለውቲ በሪ ገበሮም።
ንኣሳፍ ሓለቓ ገበሮ፤ ብድሕሪኡ ድማ ንዘካርያስ ካልኣዩ ገበሮ፤ ንይዒኤልን ሰሚራሞትን ይሒኤልን መቲትያን ኤልያብን በናያስን ዖቤድኤዶምን ይዒኤልን ድማ መሰንቆን በገናን ክቓንዩ መረፆም። ኣሳፍ ከዓ ብፀናፅል ክቓኒ ተመረፀ።
እዝነይ ናብ ምስላ ኣዘንብል፤ ንምስጢረይ ከዓ ብበገና እገልፅ።
ዓሰርተ ኣውታር ብዘለዎ በገናን ብእምብልታን፥ ብመሰንቆን፥ ንኣኻ ምምስጋን ሰናይ እዩ።
ንፍቕሪ ሰዓብዋ፤ ንመንፈሳዊ ውህብቶታት፥ ብሕልፊኳ ኽትንበዩ ኣብሊፅኩም ተመነዩ።
ናብታ ዀረብታ ምስ መፁ ድማ፥ እንሆ ጉባኤ ነቢያት ተቐበልዎ፤ መንፈስ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ እሞ፥ ኣብ ማእኸሎም ኮይኑ ተነበየ።
ንሳቶም ‘ሰላም ክብሉኻ እዮም፤ ክልተ እንጀራውን ክህቡኻ እዮም፤ ንስኻ ኸዓ ኻብ ኢዶም ክትቅበል ኢኻ።’
ሳኦል ካብ እስራኤል ሰለስተ ሽሕ ሰባት ሓረየ። ክልተ ሽሕ ምስኡ ኣብ ማክማስን ኣብ ኰረብታታት ቤቴልን ነበሩ። ሓደ ሽሕ ከዓ ምስ ዮናታን ኣብ ገባዖን ናይ ብንያም ነበሩ። ነቲ ዝተረፈ ህዝቢ ግና ንነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኑ ሰደዶ።
ዮናታን ድማ ነቲ ኣብ ናሲብ ሰፊሩ ዝነበረ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ወቕዖ። ፍልስጥኤማውያን ከዓ እዙይ ሰምዑ። ሳኦል ድማ “ዕብራውያን ይስምዑ” ኢሉ ኣብ ኵላ እታ ሃገር መለኸት ነፍሐ።
ሳኦል ድማ ንዳዊት ዝሕዙ ልኡኻት ሰደደ። ንሳቶም ከዓ፥ ሳሙኤል ደው ኢሉ ዝመርሖም ጉባኤ ነቢያት ክንበዩ ምስ ረአዩ፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እቶም ልኡኻት ሳኦል መፀ፤ ንሳቶምውን ተነበዩ።
ንሳተን ከዓ “እወ፥ ኣብ ቅድሜኹም ኣሎ፤ ሕዚ ቐልጥፉ፤ እዝ ህዝቢ ሎሚ ኣብቲ በሪኽ ዘሎ መስገዲ ኽስውእ እዩ እሞ፥ ንሱ ሎሚ ናብዛ ኸተማ መፂኡ ኣሎ።