4 ንሳቶም ‘ሰላም ክብሉኻ እዮም፤ ክልተ እንጀራውን ክህቡኻ እዮም፤ ንስኻ ኸዓ ኻብ ኢዶም ክትቅበል ኢኻ።’
ናብቲ ኣብ እንዳ ሚካ ዝነብር መንእሰይ ሌዋዊ ኣግሊሶም ብዛዕባ ጥዕናኡ ጠየቕዎ።
“ካብኡ ንቕድሚት ሕልፍ ኢልካ ኣብ ታቦር ኣብ ዘላ ዓባይ ኦም ምስ በፃሕኻ ናብ እግዚኣብሄር ናብ ቤቴል ዝድይቡ እቲ ሓደ፥ ሰለስተ ወጠጦ እናሰሓበ ዝኸይድ፥ እቲ ኻልኣይ ሰለስተ እንጀራ ዝፆረ፥ እቲ ሳልሳይ ከዓ ሓርቢ ወይኒ ዝፆረ፥ ሰለስተ ሰባት ክትረክብ ኢኻ።
“ድሕሪዙይ ናብቲ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ዘለውዎ ዀረብታ እግዚኣብሄር ክትበፅሕ ኢኻ። ናብታ ኸተማ ኽትኣቱ እንተለኻ ድማ፥ ብበገናን ከበሮን እምብልታን መሰንቆን ዝተሰነዩ ጉባኤ ነቢያት፥ ካብቲ ኣብ በሪኽ ዘሎ መስገዲ እንትወርዱ ኽትረክብ ኢኻ፤ ንሳቶም ከዓ ኽንበዩ እዮም።
እሴይ ድማ እንጀራን ሓርቢ ወይንን ዝተፅዓነት ኣድግን፥ ሓደ ወጠጦን፥ ኣትሒዙ ንዳዊት ወዱ ናብ ሳኦል ሰደዶ።