3 “ካብኡ ንቕድሚት ሕልፍ ኢልካ ኣብ ታቦር ኣብ ዘላ ዓባይ ኦም ምስ በፃሕኻ ናብ እግዚኣብሄር ናብ ቤቴል ዝድይቡ እቲ ሓደ፥ ሰለስተ ወጠጦ እናሰሓበ ዝኸይድ፥ እቲ ኻልኣይ ሰለስተ እንጀራ ዝፆረ፥ እቲ ሳልሳይ ከዓ ሓርቢ ወይኒ ዝፆረ፥ ሰለስተ ሰባት ክትረክብ ኢኻ።
ስም እታ ኸተማ ቕድም ሎዛ ይበሃል ነበረ። ያእቆብ ግና “ቤቴል” ኢሉ ሰመያ።
እዛ ኸም ሓወልቲ ገይረ ዝተኸልኩዋ እምኒ ኸዓ፥ ቤት እግዚኣብሄር ክትከውን እያ። ካብ ኵሉ እትህበኒ ድማ ኣስራት ክህብ እየ” እናበለ ተመባፅዐ።
እግዚኣብሄር ንያእቆብ “ተስእ እሞ ናብ ቤቴል ደይብ፤ ኣብኣውን ተቐመጥ። ካብ ሓውካ ኤሳው ሃዲምካ ኽትከይድ እንተለኻ ንዝተገለፀልካ እግዚኣብሄር መሰውኢ ስራሕ” በሎ።
ንዑናይ ናብ ቤቴል ንደይብ፤ ኣነ ኸዓ ኣብኣ ነቲ ብመዓልቲ መከራይ ዝሰምዐንን፥ ኣብ ዝኸድክዎ መንገዲ ምሳይ ንዝነበረ ንእግዚኣብሄር፥ መሰውኢ ኽሰርሕ እየ” በሎም።
ንሰሜንን ንደቡብን ንስኻ ፈጠርካዮም፤ ታቦርን ኣርሞንኤምን ብስምካ ደስ ይብሎም፤ ንስምካውን ይዝምሩ።
ኣናምኤል ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ናብቲ ገበላ ቤት ማእሰርቲ መፂኡ “ክትቢዘዋ መሰል ርስቲ ዘለካ ንስኻ ኢኻሞ፥ ነታ ኣብ ኣናቶት ኣብ ምድሪ ብንያም ዘላ ግራተይ ዓድጋ” በለኒ። እዙይውን ቃል እግዚኣብሄር ምዃኑ ፈለጥኩ።
እቲ መስዋእቲ ኻብ ጤለ በጊዕ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ካብ ኣባጊዕ ወይ ካብ ኣጣል፥ ጐደሎ ዘይብሉ ተባዕታይ ንዝቃፀል መስዋእቲ የቕርብ።
ምስኡ ድማ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ካብቲ መስፈሪ ዓሰርተ ኢድ ክልተ ኢድ ዝኾነ ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ብሓዊ ዝቃፀል ኣቕርቡ፤ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ምስኡ ድማ ንቝርባን ወይኒ ርብዒ ብመስፈሪ ኢን ኣቕርቡ።
እቲ መስዋእቲ፥ ጤል እንተ ኾይኑ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦ፤
እቲ ንእግዚኣብሄር ዘቕርቦ መስዋእቲ ምስጋና፥ ካብ በጊዕ እንተ ኾይኑ፥ ጐደሎ ዘይብሉ ተባዕታይ ወይ ኣንስተይቲ የቕርብ።
ነቲ ንምስጋና ኢሉ ዘቕርቦ ናይ ምስጋና መስዋእቲ ምስ ዝበዅዐ ሕብስቲ የቕርቦ።
ካብ ሳሪድ ከዓ ናብ ምብራቕ፥ ናብ ምብራቕ ፀሓይ ክሳዕ ወሰን ኪስሎትታቦር ይበፅሕ፤ ናብ ደብራት ኣቢሉ ናብ ያፊዓ ድማ ይድይብ።
እቲ ወሰን ከዓ ናብ ታቦርን ሻሓፁማን ቤትሳሜስን ይበፅሕ። ቀፂሉ ናብ ዮርዳኖስ ይወፅእ፤ ኵለን ድማ ዓሰርተ ሽዱሽተ ኸተማታትን ቍሸታትን እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ።
ደቂ እስራኤል ተሲኦም ናብ ቤቴል ደየቡ፤ “ምስ ደቂ ብንያም ንምውጋእ ካባና መን ቅድም ይደዪበልና?” ኢሎም ንእግዚኣብሄር ጠየቕዎ። እግዚኣብሄር ከዓ “ይሁዳ ይቐድም” በሎም።
ደቂ እስራኤል ከዓ ደዪቦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክሳዕ ምሸት ብኽይ ወዓሉ። ንእግዚኣብሄር ድማ፦ “መሊስናዶ ምስ ኣሕዋትና ደቂ ብንያም ውግእ ክንገጥም?” ኢሎም ጠየቕዎ። እግዚኣብሄር ከዓ “እወ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ደይቡ” በሎም።
ንእግዚኣብሄር ከዓ ጠየቕዎ። በታ ጊዜ እቲኣ ታቦት ኪዳን ኣምላኽ ኣብኡ ነበረ።
ባርቅ ወዲ ኣቢኒኤም ናብ እምባ ታቦር ከም ዝደየበ ንሲሳራ ነገርዎ።
ንባርቅ ወዲ ኣቢኒኤም፥ ካብ ቃዴስ ካብ ምድሪ ንፍታሌም፥ ብልኡኽ ፀዊዓ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ኪድ! ካብ ደቂ ንፍታሌምን ካብ ደቂ ዛብሎንን ምሳኻ ዓሰርተ ሽሕ ሰብ ሒዝካ ናብ እምባ ታቦር ተጕዓዝ።
ንዛብሄልን ንስልማናን ድማ “እቶም ኣብ ታቦር ዝቐተልኩምዎም ሰባት ከመይ ዝበሉ ነበሩ?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ከዓ “ከማኻ ዝበሉ ነበሩ፤ ንኣኻውን ይመስሉ ነበሩ። ነፍሲ ወከፍ መልክዖምውን መልክዕ ደቂ ንጉስ ይመስል ነበረ” ኢሎም መለሱሉ።
ንሳቶም ‘ሰላም ክብሉኻ እዮም፤ ክልተ እንጀራውን ክህቡኻ እዮም፤ ንስኻ ኸዓ ኻብ ኢዶም ክትቅበል ኢኻ።’