Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ሳሙኤል 10:16 - መፅሓፍ ቅዱስ

16 ሳኦል ከዓ ንሓው ኣቦኡ “እተን ኣእዱግ ከም ዝተረኽባ ብርግፅ ነገረና” በሎ። እቲ ሳሙኤል ብዛዕባ ምንጋሱ ዝበሎ ግና ኣይነገሮን።

Ver Capítulo Copiar




1 ሳሙኤል 10:16
9 Referencias Cruzadas  

ሙሴ ናብ ሓሙኡ ዮቶር ተመሊሱ “ናብቶም ኣብ ግብፂ ዘለዉ ኣሕዋተይ ተመሊሰ፥ ገና ብህይወት እንተ ሃልዮም ክርኢ ክኸይድ ፍቐደለይ” በሎ። ዮቶር ድማ ብሰላም ኪድ በሎ።


መስተውዓሊ ፍልጠቱ ይስውር፤ ልቢ ዓያሹ ግና ዕሽነት የውሪ።


ሰነፍ ሰብ ንዅሉ ዅራኡ የውፅኦ፤ ጠቢብ ግና ይዓግቶ፤ የህድኦውን።


ንምቕዳድ ጊዜ ኣለዎ፤ ንምስፋይ ጊዜ ኣለዎ። ስቕ ንምባል ጊዜ ኣለዎ፤ ንምዝራብ ጊዜ ኣለዎ።


መንፈስ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብኡ ወረደ፤ ኣብ ኢዱ ዝኾነ መሳርሒ እንተይሓዘ፥ ንማሕስእ ከም ዝሰላልዕዎ ሰላልዖ። እቲ ዝገበሮ ግና ነቦኡ ኾነ ንኖኡ ኣይነገሮምን።


በእዳዉ ወሲዱ ኸዓ ፈቐዶ መንገዲ እናበልዐ ኸደ፤ መፂኡ ድማ ነቦኡን ንኖኡን መዓር ሃቦም፤ ንሳቶምውን በልዑ። ነቲ መዓር ካብ ገምቢ ኣንበሳ ኸም ዝወሰዶ ግና ኣይነገሮምን።


ሓወቦ ሳኦል ድማ “እቲ ሳሙኤል ዝበለኩም በይዛኻ ንገረኒ” በሎ።


እተን ካብ ዝጠፍኣ ሰለስተ መዓልቲ ዝገበራ ኣእዱግ ከዓ ተረኺበን እየን እሞ፥ ብኣኣተን ኣይትሕሰብ። ኵሉ እቲ እስራኤል ዝምነዮኸ፥ ንመን ድዩ? ንኣኻን ንቤት ኣቦኻንዶ ኣይኮነን?” በሎ።


ኣብ ወሰን እታ ኸተማ ምስ ወረዱ፥ ሳሙኤል ንሳኦል “ነዝ ሓሽከር ‘ንቕድሜና ክሓልፍ ንገሮ፤’ ንስኻ ግና፥ ሕዚ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኽነግረካስ፥ ኣብዙይ ደው በል” በሎ። እቲ ሓሽከር ከዓ ሓለፈ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos