11 ኵሎም እቶም ቀደም ዝፈልጥዎ ዝነበሩ፥ ሳኦል ምስ ነቢያት ኮይኑ ክንበ ምስ ረአይዎ፥ “እዝ ኣብ ወዲ ቂስ ኮይኑ ዘሎ እንታይ እዩ? ሳኦልውንዶ ምስ ነቢያት እዩ?” ተበሃሃሉ።
ኣሞፅ ከዓ ንኣሜስያስ ከምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “ኣነ ሓላዊ ኸፍትን፥ ኣራዪ ፍረ ዳዕሮን እየ እምበር፥ ነቢይ ወይ ወዲ ነቢይ ኣይኮንኩን።
ኣባጊዕ ክጓሲ እንተለኹ ኸዓ እግዚኣብሄር ፀውዐኒ ‘ኪድ እሞ ንህዝበይ እስራኤል ተነበየሉ’ በለኒ።
ስለዙይ ኣይሁድ “እዙይ እንተይተምሃረ፥ ከመይ ገይሩ እዩ መፃሕፍቲ ዝፈልጥ?” እናበሉ ተገረሙ።
ንሱ እቲ ኣብታ “ፅብቕቲ” እትብሃል ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስ ተቐሚጡ፥ ምፅዋት ዝልምን ዝነበረ ምዃኑ ምስ ኣለለይዎ፥ በቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተገብረ ተኣምር፥ ተደነቑን ተገረሙን።
ትብዓት ጴጥሮስን ዮሃንስን ምስ ረአዩ፥ ዘይተምሃሩን ተራ ሰባት ምዃኖምውን ምስ ፈለጡ ተገረሙ፤ ምስ ኢየሱስ ከም ዝነበሩ ድማ ኣለለይዎም።
እቶም ዝሰምዕዎ ዅሎም ድማ፥ “እዙይ ደኣ፥ እቲ ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ስም ኢየሱስ ዝፅውዑ ዅሎም፥ ዘሳጕግ ዝነበረዶ ኣይኮነን? ናብዙይ መፂኡ ዘሎስ፥ ንኣኣቶም እናኣሰረ ናብ ሊቃነ ካህናት ምእንቲ ኽወስዶምዶ ኣይኮነን?” እናበሉ ተገረሙ።
ንሱ ድማ ኽዳውንቱ ደርቢዩ ኣብ ቅድሚ ሳሙኤል ተነበየ፤ ጥራሑ ኾይኑ ኸዓ ምሉእ መዓልትን ምሉእ ለይትን ወዲቑ ነበረ። ስለዙይ ከዓ እዮም “ሳኦል እውንዶ ኻብ ወገን ነቢያት እዩ?” ይበሃሃሉ ዝነበሩ።