10 ናብታ ዀረብታ ምስ መፁ ድማ፥ እንሆ ጉባኤ ነቢያት ተቐበልዎ፤ መንፈስ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ እሞ፥ ኣብ ማእኸሎም ኮይኑ ተነበየ።
ናብ ሌሒ ምስ ቀረበ ኸዓ፥ እቶም ፍልስጥኤማውያን ዕልል እናበሉ ተቐበልዎ። መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ናብ ልዕሊኡ ወረደ፤ እቲ ኣብ ቀላፅሙ ዝነበረ ገመዳት ከዓ ሓዊ ኸም ዝበልዖ ፈትሊ እንጣጢዕ ኾነ። እቲ መእሰሪኡ መኺኹ ኸዓ ኻብ ኣእዳዉ ወደቐ።
መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ነበረ፤ ኣብ ልዕሊ እስራኤልውን ይፈርድ ነበረ። ክዋጋእ ኸዓ ወፀ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንኵሰርሰቴም ንጉስ መስጴጦምያ ናብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሃቦ። ኢዱውን ንኵሰርሰቴም ሰዓረቶ።
ሳኦል ድማ እዝ ነገር እዙይ ምስ ሰምዐ፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ወረደ፤ ቍጥዓኡውን የመና ነደደ።
ሽዑ ሳሙኤል ናይ ዘይቲ ቐርኒ ኣልዒሉ ኣብ ቅድሚ ኣሕዋቱ ቐብኦ። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንነዘው ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዳዊት ሓደረ። ሳሙኤል ከዓ ተሲኡ ናብ ኣርማቴም ከደ።
ኣነ ኸዓ ኸም ልበይን ከም ሓሳበይን ዝገብር እሙን ካህን ከተስእ እየ፤ ንእኡ ፅኑዕ ቤት ከቑመሉ እየ፤ ንሱውን ኵልሻዕ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝቐባእክዎ ኸገልግል እዩ።