Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1 ሳሙኤል 1:7 - መፅሓፍ ቅዱስ

7 ንሱ በብዓመቱ እዙይ ብዝገበረ ቝፅሪ፥ ንሳውን በብዓመቱ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ብዝደየበትሉ ቝፅሪ፥ ተበሳጭዋ ነበረት፤ ሃናውን ትበኪ ነበረት፤ ዝኾነውን ኣይትጥዕምን ነበረት።

Ver Capítulo Copiar




1 ሳሙኤል 1:7
7 Referencias Cruzadas  

ምብላዕ እኽሊ ተረሲዑኒ፤ ተገረፍኩ፤ ልበይውን ከም ሳዕሪ ፀምለወን ነቐፀን።


ካብ ድምፂ ገዓረይ ዝተልዓለ ስጋይ ምስ ኣዕፅምተይ ተጣበቐ።


ካብ ሴኬምን ካብ ሲሎን ካብ ሰማርያን ጭሕሞም ዝላፀዩ፥ ክዳኖም ዝቐደዱ፥ ሰብነቶም ዘቝሰሉ ሰማንያ ሰባት፥ መስዋእቲ እኽልን ዕጣንን ሒዞም፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከቕርቡ መፁ።


እግዚኣብሄር ማህፀና ዓፅዩ ነበረሞ፥ እታ ብፀይታ ፍናና ምእንቲ ኽተዀርያ መመሊሳ ትሕጭጨላ ነበረት።


ሰብኣያ ሕልቃናውን “ሃና፥ እንታይ ኴንኪ ኢኺ እትበኽዪ? እንታይከ ዄንኪ ዘይትበልዒ? እንታይ ኴንኪኸ ትጕህዪ ኣለኺ? ንምንታይ ልብኺ ይሓዝን? ካብ ዓሰርተ ውላድ፥ ኣነዶ ኣይሕሸክን?” በላ።


ሃና ድማ ኸምዙይ ኢላ ፀለየት፦ “ልበይ ብእግዚኣብሄር ፀንዐ፤ ቀርነይውን ብእግዚኣብሄር ልዕል ልዕል በለ። ኣፈይ ኣብ ልዕሊ ፀላእተይ ተኸፈተ። ብምድሓንካውን ተሓጐስኩ።


እኖኡ ድማ፥ እቲ በብዓመት እትስውኦ መስዋእቲ ሕሩድ ክተቕርብ ምስ ሰብኣያ ኽትድይብ እንተላ፥ ንእሽተይ ቀሚሽ ሰፍያ በብዓመት ተምፅአሉ ነበረት።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos