2 ንሱ ኽልተ ኣንስቲ ነበራኦ። ስም እታ ሓንቲ ሃና፥ ስም እታ ኻልአይቲ ኸዓ ፍናና ነበረ። ንፍናና ውሉድ ነበርዋ፤ ንሃና ግና ውሉድ ኣይነበርዋን።
ሶራ መኻን ስለ ዝነበረት፥ ውሉድ ኣይወለደትን።
ይስሓቅ ድማ፥ ሰበይቱ ርብቃ መኻን ስለ ዝነበረት፥ ምእንታኣ ንእግዚኣብሄር ለመነ። እግዚኣብሄር ከዓ ልመናኡ ሰምዖ፤ ሰበይቱ ርብቃ ድማ ጠነሰት።
እግዚኣብሄር ከዓ ልያ ኸም ዝተፀልአት ሪኡ ማህፀና ኸፈተላ፤ ራሄል ግና መኻን ነበረት።
ላሜህ ክልተ ኣንስቲ ኣእተወ፤ ስም እታ ሓንቲ ዓዳ፥ ስም እታ ኻልአይቲ ድማ ሴላ ነበረ።
ላሜህ ድማ ነንስቱ ተዛረበን፤ “ዓዳን ሴላን፥ ቃለይ ስምዓ፤ ኣትን ኣንስቲ ላሜህ፥ ዘረባይ ኣዳምፃ፤ ስለ ቝስለይ፥ ሰብኣይ፥ ስለ ስምብራተይ ድማ፥ ጐበዝ ቐተልኩ።
ኢየሱስ ድማ “ሙሴስ ብሰንኪ ትረት ልብኹም ኣንስትኹም ክትፈትሑ ፈቐደልኩም እምበር፥ ካብ መጀመርታስ ከምኡ ኣይነበረን።
እንተ ኾነ ኤልሳቤጥ መኻን ስለ ዝነበረት ውሉድ ኣይነበሮምን፤ ክልቲኦም ድማ መዋእሎም ዝሓለፈ ኣረጋውያን ነበሩ።
ካብ ነገድ ኣሴር ሃና እትብሃል ጓል ፋኑኤል፥ የመና ዝኣረገት ነቢዪት ነበረት፤ ብድንግልናኣ ምስ ዘእተወቶ ሰብኣያ ሸውዓተ ዓመት ገበረት።
ማኑሄ ዝስሙ ሰብኣይ በዓል ፆርዓ፥ ካብ ዓሌት ዳን ነበረ። ሰበይቱ ኸዓ መኻን ነበረት።
ንሱ ድማ፥ ብዙሓት ኣንስቲ ነበራኦ እሞ፥ ካብ ሕቈኡ ዝተወለዱ ሰብዓ ኣወዳት ነበርዎ።