19 ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ተሲኦም ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰገዱ፤ ተመሊሶም ከዓ ናብ ቤቶም ናብ ኣርማቴም ኣተዉ። ሕልቃና ድማ ንሰበይቱ ፈለጣ፤ እግዚኣብሄርውን ዘከራ።
እግዚኣብሄር ከምቲ ዝተናገሮ ንሳራ ዘከራ። እግዚኣብሄርውን ከምቲ ዝተናገሮ ገበረላ።
እግዚኣብሄር ድማ ንራሄል ዘከራ፤ ፀሎታ ስለ ዝሰምዐ ድማ ማህፀና ኸፈተላ።
ኣዳም ድማ ንሰበይቱ ሄዋን ፈለጣሞ፥ ጠነሰት፤ ንቃየልውን ወለደት። “ብረድኤት እግዚኣብሄር ወዲ ረኺበ” ድማ በለት።
እግዚኣብሄር ንኖህን ነቶም ምስኡ ኣብ መርከብ ዝነበሩ ዅሎም ኣራዊትን ኵሎም እንስሳን ዘከረ። እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ንፋስ ኣንፈሰ፤ እቲ ማይ ከዓ ጐደለ።
እታ ሰበይቲ ጠነሰት እሞ፥ ከምቲ ኤልሳዕ ዝበላ፥ ንዓመታኡ በታ ወርሓት እቲኣ ኣብ ሓድሽ ዓመት ወዲ ወለደት።
ኣንጊሐ ኣእዌኹ፤ ንቓልካውን ተስፋ ገይረ ኣለኹ።
ኣብ ጊዜ ውርደትና ዝዘከረና፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
ኦ ጐይታ፥ ነቲ ብንእስነተይ ዝገበርክዎ ሓጢኣተይን በደለይን ኣይትዘክሮ፤ ስለ ብዝሒ ለውሃትካ፥ ከም ምሕረትካ ዘክረኒ።
ኦ ጐይታ፥ ብጊሓት ድምፀይ ክትሰምዕ ኢኻ፤ ኣንጊሀ ኣብ ቅድሜኻ ኽቐውም እየ፤ ክፅበውን እየ።
ምሸትን ጊሓትን ቀትርን እቝዝም፤ እህህውን እብል ኣለኹ፤ ንሱውን ድምፀይ ይሰምዐኒ።
ኢየሱስ ጎሕ እንተይቀደደ ገና ፀልማት እንተሎ ተሲኡ ወፀ፤ ናብ ፅምዊ ቦታ ኸይዱ ድማ ኣብኡ ፀለየ።
ንኢየሱስ ከዓ፦ “ኦ ጐይታ! ብመንግስትኻ ኽትመፅእ እንተለኻ ዘክረኒ” በሎ።
ገባዖንን ራማን ብኤሮትን፥
ኣብ ኣርማቴም መሴፋ፥ ኣብ እምባታት ኤፍሬም፥ ሕልቃና ዝስሙ ኤፍሬማዊ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ወዲ የኢያሬምኤል፥ ወዲ ኢሊዮ፥ ወዲ ቶሑ፥ ወዲ ናሲብ ነበረ።
“ኦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር! ውርደት ባርያኻ ኣፀቢቕካ ርኢኻ እንተ ዘከርካኒ፥ ንኣይ ንባርያኻ እውን እንተይረሳዕኻ ወዲ እንተ ደኣ ሂብካኒ፥ ኣነ ድማ ብዅሉ ዘመን ህይወቱ ንኣኻ ንእግዚኣብሄር ከገልግል ክውፍዮ እየ፤ ርእሱ ኸዓ ኸቶ ኣይላፀን እዩ” እናበለት ተመባፅዐት።
ሳሙኤል ከዓ ናብ ኣርማቴም ከደ፤ ሳኦልውን ናብ ቤቱ ናብ ጊብዓ ደየበ።
ሽዑ ሳሙኤል ናይ ዘይቲ ቐርኒ ኣልዒሉ ኣብ ቅድሚ ኣሕዋቱ ቐብኦ። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንነዘው ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዳዊት ሓደረ። ሳሙኤል ከዓ ተሲኡ ናብ ኣርማቴም ከደ።
ዳዊት ድማ ሃዲሙ ኣምለጠ፤ ናብ ሳሙኤል ናብ ኣርማቴም ከዓ መፀ፤ እቲ ሳኦል ኵሉ ዝገበሮውን ነገሮ። ንሱን ሳሙኤልን ድማ ናብ ኣውቴዝራማ ኸይዶም ተቐመጡ።
ድሕሪዙይ ሕልቃና ናብ ገዛኡ ናብ ኣርማቴም ከደ። እቲ ህፃን ከዓ ኣብ ቅድሚ ኻህን ኤሊ ኾይኑ ንእግዚኣብሄር የገልግል ነበረ።
ሳሙኤል ሞተ፤ ኵሎም እስራኤል ከዓ ተኣኪቦም በኸዩሉ፤ ኣብ ኣርማቴም ኣብ ገዛኡ ድማ ቐበርዎ። ሽዑ ዳዊት ናብ ምድረ በዳ ፋራን ወረደ።
ቤቱ ኣብ ኣርማቴም ስለ ዝነበረት፥ ናብኣ ይምለስ ነበረ፤ ኣብኣ ድማ ንእስራኤል ይፈርድ ነበረ። ኣብኣውን ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ።
ሽዑ ዅሎም ዓበይቲ እስራኤል ተኣኪቦም ናብ ሳሙኤል ናብ ኣርማቴም መፁ፤
ኣንጊሆም ከዓ ተስኡ። ምስ ወግሐ፥ ሳሙኤል ኣብ ናሕሲ ኾይኑ ንሳኦል “ከፋንወካ ተስእ” ኢሉ ፀውዖ። ሳኦል ከዓ ተስአ፤ ንሱን ሳሙኤልን ድማ ኽልቲኦም ናብ በረኻ ወፁ።