15 ንሳ ግና “ጐይታይ፥ ኣይፋለይን፤ ኣነስ መንፈሰይ ጓሂ ዝመልኣ ሰበይቲ እየ እምበር፥ ወይንን ካልእ ዘስክር መስተን ኣይሰተኹን፤ ብፀሎት ደኣ ጭንቀይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣፍስስ ኣለኹ።
“ሕዚ እውን ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ መኸኸት፤ ዘመን መከራ ሓዘትኒ።
ኣእዳወይ ናባኻ ዘርጋሕኹ፤ ነፍሰይውን ከም ንቕፅቲ ምድሪ ፀምአትካ።
እዙይ እንትሓስብ ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ፈሰሰት፤ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ናብ መንበሪ ምስጋና ኽኣቱ እየሞ፤ እቶም በዓል ዝገብሩ ሰባት ቃል ሓጐስን ምስጋናን ኣስምዑ።
ኵልኻትኩም ማሕበር ህዝቢ፥ ብእኡ ተኣመኑ፤ ልብኹምውን ኣብ ቅድሚኡ ኣፍስሱ፤ እግዚኣብሄር ረዳኢና እዩ።
ግና ደቂ ሰብ ከንቱ እዮም፤ ደቂ ሰብውን ሓሰውቲ እዮም፤ ኣብ ሚዛን ይዕምፁ፤ ንሳቶም ፈፂሞም ከንቱ እዮም።
ልቢ ንምረቱ ባዕሉ ይፈልጦ፤ ኣብ ሓጐሱ ኸዓ ኻልእ ኣይሕወስን።
ልዙብ መልሲ ንቝጥዓ የህድኦ፤ ተሪር ቃል ግና ንቝጥዓ የለዓዕሎ።
ፈራዲ፥ ብትዕግስቲ ይልዝብ፤ ልዙብ መልሓስ ከዓ ኣዕፅምቲ ይሰብር።
ቆፍ። ተስኢ፤ ኣብ መጀመርታ ኽፋል ሓለዋ፥ ብለይቲ ኣእውዪ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ልብኺ ኸም ማይ ኣፍስሲ፤ ምእንቲ ነፍሲ እቶም ኣብ ኵሉ መኣዝን መንገዲ ብጥምየት ደኺሞም ዘለዉ ህፃናትኪ፥ ኣእዳውኪ ናብኡ ኣልዕሊ።
እቲ ኽሳዕ ሕዚ ዘዛረበንስ፥ ብዝሒ ጓህን ሓዘንን እዩ እሞ፥ ንኣይ ንኣገልጋሊትካ ኸም ሓጢኣተኛ ሰበይቲ ኣይትቝፀረኒ” ኢላ መለሰትሉ።
ሽዑ ኣብ ምፅጳ ተኣከቡ፤ ማይ ቀዲሖም ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከም መስዋእቲ ኣፍሰስዎ፤ በታ መዓልቲ እቲኣውን ፆሙ፤ ኣብኡ ኸዓ “ንእግዚኣብሄር በዲልና ኢና” ኢሎም ተናዘዙ። ሳሙኤል ድማ ንደቂ እስራኤል ኣብ ምፅጳ ፈረደ።