13 ሃና፥ ብልባ እንትትፅሊ ኸናፍራ ጥራሕ ይንቀሳቐስ ነበረ እምበር፥ ድምፃ ኣይተሰምዐን፤ ስለዙይ ኤሊውን ሰኺራ ግዲ እያ ኢሉ ሓሰበ።
እቲ ንጉስ ድማ “እንታይ ክገብረልካ ትደሊ?” ኢሉ ጠየቐኒ። ሽዑ ኣነ ናብ ኣምላኽ ሰማይ ፀለኹ።
ኦ ጐይታ፥ ነፍሰይ ናባኻ ኣልዕል ኣለኹ።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንህዝቡ ኸዕቝቦም እዩ፤ ንሳቶም ድማ ኽድምስስዎም እዮም፤ ኣእማን እቲ ወንጭፍ ድማ ኽረግፁ እዮም፤ ከም ወይኒ ኽሰትይዎም እዮም፤ ከም ፅዋዕን ከም መኣዝናት መሰውኢን፥ ዝተማልኡ ክኾኑ እዮም።
ገሊኣቶም ግና እናላገፁሎም “እዚኣቶም ጕዕሽ ወይኒ ሰትዮም፥ ሰኺሮም እዮም” እናበሉ ሰሓቕዎም።
መንፈስ [ቅዱስ] ብድኻምና ይሕግዘና እዩ፤ ከመይ ጌርና ኽንፅሊ ኸም ዝግብአና፥ ኣይንፈልጥን ኢና፤ ስለዙይ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ብዘይንገር እህህታ ዝማልደልና።
ፍቕሪ ንዅሉ ይፀውር፤ ንዅሉ ይኣምን፤ ብዅሉ ድማ ተስፋ ይገብር፤ ንዅሉውን ይዕገስ።
ሃና፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንዊሓ ኽትፅሊ እንተላ፥ ኤሊ ኣፋ ይጥምት ነበረ።