10 ሃና ኸዓ ብልባ ኣምሪራ እናበኸየት ንእግዚኣብሄር ትልምን ነበረት፤
ራሄል ድማ ንያእቆብ ከም ዘይወለደትሉ ምስ ረአየት፥ ብሓፍታ ቐንአት፤ ንያእቆብ ከዓ፥ “ውሉድ ሃበኒ፤ እንተ ዘይኮነ ኽመውት እየ” በለቶ።
ናብታ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዘላ ዓውዲ ኣጣድ ከዓ በፅሑ። ኣብኣ ድማ ንያእቆብ መሪር ብኽያት በኸዩሉ። ዮሴፍ ከዓ ነቦኡ ሸውዓተ መዓልቲ መልቀስ ገበረሉ።
ዘረባኡ ምስ ወድአ፥ እንሆ እቶም ደቂ ንጉስ ኣተዉ፤ ቃሎም ዓው ኣቢሎም ከዓ በኸዩ። ንጉስን ኵሎም ሓሻኽሩንውን የመና ብርቱዕ ብኽያት በኸዩ።
ኵሲ ድማ መሊሱ፥ “ኣቦኻን እቶም ጀጋኑ ሰቡን ኣብ በረኻ፥ ዀራኹራ ኸም ዘግደፍዋ ሓራስ ድቢ ኸም ዝኾኑ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ። ኣቦኻ ድማ ተዋጋኢ ሰብኣይ እዩ። ምስ ሰራዊቱ ኸዓ ኣይሓድርን።
ኦ እግዚኣብሄር! እልምነካ ኣለኹ፤ ኣብ ቅድሜኻ ብሓቅን ብፍፁም ልብን ከም ዝተመላለስኩን፥ ዘሐጕሰካውን ከም ዝገበርኩን ክትዝክር እልምነካ ኣለኹ? ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ፀለየ። ሕዝቅያስ ድማ ኣምሪሩ በኸየ።
“ነፍሰይ ንህይወተይ ሰልከየታ፤ ስለዙይ ጥርዓነይ ብቝዘማ ኸስምዕ እየ፤ ብምረት ነፍሰይ ድማ ኽዛረብ እየ።
ስለዙይ ኣፈይ ኣይክልክልን እየ፤ መንፈሰይ ስለ ዝተሃወኸ ኽዛረብ እየ፤ ንነፍሰይ ስለ ዝመረራውን ክቝዝም እየ።
ንሱ ምረት ደኣ የፅግበኒ ኣሎ እምበር፥ ክትንፍስ ኣይሓደገንን።
ብመዓልቲ መከራ ፀውዐኒ፤ ኣነ ኸናግፈካ እየ፤ ንስኻውን ክተኽብረኒ ኢኻ።
ክፅውዐኒ እዩ፤ ኣነውን ክምልሰሉ እየ፤ ብጊዜ መከራኡ ምስኡ ክኸውን እየ፤ ከናግፎ እየ፤ ከኽብሮውን እየ።
ልቢ ንምረቱ ባዕሉ ይፈልጦ፤ ኣብ ሓጐሱ ኸዓ ኻልእ ኣይሕወስን።
እንታይ እሞ ኽብል እየ፤ ንሱ ተዛሪቡኒ ኣሎ፤ ንሱ ኸዓ ገበሮ፤ ብዛዕባ ምረት ነፍሰይ ብዅለን ዓመታተይ፥ ብህድኣት ክመላለስ እየ።
ከም ዝተንዓቐትን ዝተሓደገትን ሰበይቲ ንእስነት፥ ከምታ ብልቢ ዝሓዘነትን ዝተፀልአትን ሰበይቲ፥ እግዚኣብሄር ክፅውዐኪ እዩ” ይብል ኣምላኽኪ።
ነዙይ እንተ ዘይሰሚዕኹም ግና፥ ብሰንኪ ትዕቢትኩም፥ ነፍሰይ ብስውር ትበኪ ኣላ፤ እቲ መጓሰ እግዚኣብሄር ተማሪኹ እዩሞ፥ ኣዒንተይ መሪር ብኽያት ይበኽያ፤ ንብዓት ከዓ ዘራዕራዕ የብላ ኣለዋ።
ነቲ ኻብ ዓዱ ዝወፀ፥ ደጊም ነታ ዝተወለደላ ሃገር፥ ተመሊሱ ንዘይርኢ ደኣ ብኸዩሉ እምበር፥ ንዝሞተ ኣይትብከዩ፥ ኣይትሕዘኑውን።
መሪር ኣብልዐኒ፤ ዕረውን ኣፅገበኒ።
የመና ተጨኒቑ ስለ ዝነበረ፥ ኣበርቲዑ ፀለየ። ረሃፁ ኸም ነጠብጣብ ደም፥ ናብ ምድሪ የንጠብጥብ ነበረ።
ኢየሱስ ብዘመን ስጋኡ እንተሎ፥ ካብ ሞት ከድሕኖ ናብ ዝኽእል፥ ፀሎትን ልመናን ብብርቱዕ ገዓርን ንብዓትን ኣቕረበ። ንእግዚኣብሄር ይእዘዝ ስለ ዝነበረ ድማ ልመናኡ ተሰምዐ።
እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ቤቴል መፁ። ኣብኣ ኸዓ ኽሳዕ ምሸት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተቐመጡ፤ ድምፆም ዓው ኣቢሎም ድማ ብርቱዕ ብኽያት በኸዩ።
ንሳ ድማ “እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ንህይወተይ ብዙሕ ከም እትመርር ገይርዋ እዩ እሞ፥ ማራ ደኣ በሉኒ እምበር ኑሓሚን ኣይትበሉኒ።
“ኦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር! ውርደት ባርያኻ ኣፀቢቕካ ርኢኻ እንተ ዘከርካኒ፥ ንኣይ ንባርያኻ እውን እንተይረሳዕኻ ወዲ እንተ ደኣ ሂብካኒ፥ ኣነ ድማ ብዅሉ ዘመን ህይወቱ ንኣኻ ንእግዚኣብሄር ከገልግል ክውፍዮ እየ፤ ርእሱ ኸዓ ኸቶ ኣይላፀን እዩ” እናበለት ተመባፅዐት።
ኣብ ሴሎ በሊዖምን ሰትዮምን ምስ ወድኡ ሃና ተስአት። ካህን ኤሊ ኸዓ ኣብ ኣፍ ደገ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣብ መንበር ኮፍ ኢሉ ነበረ።