14 ብክርስቲያናዊ ፍቕሪ፥ ብቕዱስ ሰላምታ ንስንሳትኩም ሰላም ተበሃሃሉ። ብክርስቶስ ንዘለኹም ኵልኻትኩም ሰላም ይኹን። ኣሜን።
ነሕዋትኩም ጥራሕ ሰላምታ እንተ ሃብኩምከ፥ እንታይ ሕልፊ ገበርኩም? ኣህዛብስ ከምኡ ይገብሩ እንድዮም?
ሰላም እሓድገልኩም ኣለኹ፤ ሰላመይውን እህበኩም ኣለኹ፤ እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘለኹ፥ ከምቲ ዓለም ዝህቦ ኣይኮነን፤ ልብኹም ኣይሸበር፤ ኣይፍራሕውን።
በኣይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ እዙይ ነገርኩኹም። ኣብ ዓለም እንተለኹም፥ መከራ ኣለኩም፤ እንተ ኾነ ኣይዞኹም፥ ኣነ ንዓለም ስዒረዮ እየ።”
በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፥ ምድሪ ምስ መሰየ፥ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሑ፥ እቲ በሪ ተዓፅዩ እንተሎ፥ ኢየሱስ ናብታ ተኣኪቦምላ ዝነበሩ መፂኡ፥ ኣብ ማእኸሎም ደው ኢሉ “ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን” በሎም።
ድሕሪ ሸሞንተ መዓልቲ ኸዓ፥ እቶም ደቀ መዛሙርቱ መሊሶም ኣብ ውሽጢ ገዛ እንተለዉ፥ ቶማስ ምስኣቶም ነበረ። እቲ በሪ ተዓፅዩ እንተሎ፥ ኢየሱስ መፂኡ ኣብ ማእኸሎም ደው ኢሉ “ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን” በሎም።
ኣብ ሮሜ ዘለኹም ቅዱሳን ክትኮኑ ዝተፀዋዕኹም፥ ፍቑራት እግዚኣብሄር ኵልኻትኩም፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን።
ንስንሳትኩም ከዓ፥ ብቕዱስ ሰላምታ ሰላም ተበሃሃሉ። ኵለን ናይ ክርስቶስ ኣብያተ ክርስቲያን፥ ሰላም ይብላኹም ኣለዋ።
እምበኣር ሕዚ፥ ነቶም ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዉ፥ ኵነኔ የብሎምን።
ግናኸ “እቲ ዝምካሕ፥ ብእግዚኣብሄር ይመካሕ” ተብሂሉ ዝተፅሓፈ ምእንቲ ኽፍፀም፥ ካብ እግዚኣብሄር ጥበብን፥ ፅድቅን፥ ቅድስናን፥ ቤዛን ዝዀነልና፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኢኹም ዘለኹም።
ኵላቶም እቶም ኣሕዋት፥ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። ብቕዱስ ሰላምታ ንስንሳትኩም ሰላም ተበሃሃሉ።
ንስንሳትኩም ብቕዱስ ሰላምታ ሰላም ተበሃሃሉ።
ስለዙይ ሓደኳ ብክርስቶስ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፤ እቲ ብሉይ ሓሊፉ፥ እንሆ ዅሉ ሓድሽ ኮይኑ እዩ።
ሰላምን ፍቕርን ምስ እምነት፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ነቶም ኣሕዋትና ይኹን።
ንዅላቶም ኣሕዋትውን፥ ብቅዱስ ሰላምታ ሰላም በልዎም።
እግዚኣብሄር ኣብ፥ ኣቐዲሙ ብዝወሰኖ ዝሓረየኩም፥ ንኢየሱስ ክርስቶስ እዙዛት ክትኮኑን፥ ብምንዛሕ ደሙ ኸዓ፥ ምእንቲ ኽትነፅሁን፥ ብመንፈስ ቅዱስ ንዝተቐደስኩም፥ ፀጋን ሰላምን ይብዝሐልኩም።
ቀልጢፈ ኽሪአካ ተስፋ ኣለኒ፤ ሽዑ ኣፍ ንኣፍ ክንዘራረብ ኢና።