12 በቲ እሙን ምዃኑ ዝፈልጦ ሓውና ስልዋኖስ ገይረ፥ ከተባብዐኩምን፥ እዝ ቘይምኩምሉ ዘለኹም ፀጋ፥ ናይ ሓቂ ፀጋ ኣምላኽ ምዃኑ እናመስከርኩልኩም፥ ነዛ ሓፃር መልእኽቲ ፅሒፈልኩም ኣለኹ።
ሽዑ ጴጥሮስ ንእኡ ሪኡ ንኢየሱስ “ጐይታ፥ እዙይከ ኸመይ ክኸውን እዩ?” በሎ።
ንሱ ኣብኡ ምስ በፅሐ፥ ፀጋ እግዚኣብሄር ሪኡ ተሓጐሰ፤ ብምሉእ ልቦም ብእግዚኣብሄር ፀኒዖም ክነብሩ ድማ መዓዶም።
ሽዑ እቶም ሃዋርያትን ሽማግሌታትን፥ ምስ ኵላ ቤተ ክርስቲያን ኮይኖም፥ ምስ ጳውሎስን በርናባስን፥ ናብ ኣንፆኪያ ዝሰድዎም ሰባት፥ ካብ መንጎኣቶም ክመርፁ ተሰማምዑ፤ ስለዙይ ከዓ ነቶም ኣብ ማእኸል ኣሕዋት ካብ ዝነበሩ ዋናታት፥ በርሰባስ ዝብልዎ ይሁዳን ሲላስን መረፁ።
ኣነ ግና ፀጋ እግዚኣብሄር ዝኾነ ወንጌል ንኽምስክርን ካብ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተውሃበኒ ልእኽቶይን ጕያይን ክሳዕ ዝፍፅም፥ ንህይወተይ ኣየናሕስየላን፤ ከም ክብርቲ ገይረውን ኣይሪኣን እየ።”
ብእኡ ኸዓ፥ ናብዝ ሕዚ ዘለናዮ ፀጋ ብእምነት ኣተና፤ ብተስፋ ተኻፈልቲ ኽብሪ እግዚኣብሄር ስለ ዝኾንናውን፥ ንምካሕ ኣለና።
ሕዚ ኸዓ ኣሕዋተይ፥ ነቲ ኣነ ዝሰበኽኩልኩም ወንጌል፥ ከዘክረኩም እደሊ ኣለኹ። ንሱ ድማ እቲ ዝተቐበልኩምዎን፥ ብእኡ ድማ ፀኒዕኹም እትነብሩ ዘለኹምን እዩ።
እቲ ብኣይን ብስልዋኖስን ብጢሞቴዎስን፥ ኣባኻትኩም ዝሰበኽናዮ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሄር “እወን” “ኣይኮነን” ኣይነበረን፤ ብእኡ ዅልሻዕ “እወ” እዩ እምበር።
ብእምነት ፀኒዕኹም ስለ ዘለኹም፥ ምእንቲ ኽትሕጐሱ ሓቢርና እንሰርሕ ደኣ ኢና እምበር፥ ኣብ እምነትኩም ክንጕይተት ኣይኮንናን።
ከምቲ ኣቐዲመ ብሓፂሩ ፅሒፈልኩም ዝነበርኩ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ምስጢር ብራእይ ኣፍለጠኒ።
ሕዚ ኸዓ ኸመይ ከም ዘለኹን፥ እንታይ ከም ዝገብርን ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ እቲ ፍቑር ሓወይን ብጐይታ ኸዓ፥ እሙን ኣገልጋልን ዝኾነ ቲኪቆስ፥ ኵሉ ኽነግረኩም እዩ።
እቲ ፍቑር መሳርሕትና ኤጳፍራስ እዩ፥ ነዙይ ዝመሃረኩም። ንሱ፥ ክንዳኻትኩም እሙን ኣገልጋሊ ክርስቶስ እዩ።
ቲኪቆስ፥ እቲ ፍቑር ሓውናን፥ እሙን ኣገልጋልን፥ ብጐይታ መሳርሕተይን፥ ከመይ ከም ዘለኹ ኸፍልጠኩም እዩ።
ምስኡውን ነቲ ኻባኻትኩም ዝኾነ፥ እሙንን ፍቑርን ሓውና ኣናሲሞስ እሰደልኩም ኣለኹ፤ ንሳቶም፥ እቲ ዅሉ ኣብዙይ ዝኾነ ኽነግሩኹም እዮም።
ካብ ጳውሎስን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን፥ ናብታ ኣብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ዘላ ቤተ ክርስቲያን ተሰሎንቄ፥ ኻብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን።
ካብ ጳውሎስን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን፥ ናብታ ኣብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ዘላ ቤተ ክርስቲያን ተሰሎንቄ።
ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ነዝ ኣሕፅር ኣቢለ ፅሒፈልኩም ዘለኹ ቓል ምዕዳን፥ ብትዕግስቲ ኽትቅበልዎ እልምነኩም ኣለኹ።
ስለዙይ ሕቘ ልቦናኹም ተዓጢቕኩም፥ ንስራሕ ተዳለዉ፤ ብመጠን ንበሩ፤ ሙሉእ ተስፋኹም ከዓ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ እንትግለፅ፥ ኣብ እትረኽብዎ ፀጋ ይኹን።
ናይቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ፀጋ እግዚኣብሄር፥ እሙናት ኣገልገልቲ ብምዃን፥ ነፍሲ ወከፍኩም ከምቲ ዝተቐበልኩምዎ ውህብቶ ፀጋ፥ ሓደ ነቲ ሓደ የገልግል።
ስለዙይ እንተ ፈለጥኩምዎ እኳ፥ ኣብቲ ዘለኩም ሓቂ እውን እንተ ፀናዕኹም፥ ነዝ ነገር እዙይ፥ ኵሉ ጊዜ ኸዘኻኽረኩም ሸለል ኣይብልን።
ነታ ቕንዕቲ መንገዲ ሓዲጎም ተጋገዩ፤ መንገዲ እቲ ዓስቢ ዓመፃ ዝፈተወ በለዓም ወዲ ባሶር ሰዓቡ።
ንድሜጥሮስ ኵላቶም ይምስክሩሉ ኣለዉ፤ እታ ሓቂ ድማ፥ ባዕላ ትምስክረሉ ኣላ። ንሕናውን ንምስክረሉ ኣለና። ምስክርነትና ሓቂ ኸም ዝኾነ ድማ፥ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።
ኣቱም ፍቑራተይ፥ ብዛዕባ እታ ናይ ኵልና ዝኾነት ድሕነት፥ ክፅሕፈልኩም ሃረርታ ነይሩኒ። ሕዚ ግና፥ በታ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ንቕዱሳን ዝተውሃበት እምነት፥ ንኽትጋደሉ ምእንቲ ኽመኽረኩም፥ ክፅሕፍ ግድን ኮይኑኒ ኣሎ።