Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1ይ ጴጥሮስ 4:8 - መፅሓፍ ቅዱስ

8 ፍቕሪ፥ ብዙሕ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ፥ ቅድሚ ኹሉ ንስንሳትኩም፥ ብምሉእ ልቢ ተፋቐሩ።

Ver Capítulo Copiar




1ይ ጴጥሮስ 4:8
17 Referencias Cruzadas  

ፅልኢ፥ ንጐይቊ የልዕል፤ ፍቕሪ ግና ንዅሉ በደል ትኽውሎ።


ኵራ ዓሻ ሽዑ ንሽዑ ይፍለጥ፤ ለባም ሰብ ግና ንነውሪ ይሓብእ።


ፍቕሪ ዝደሊ ንበደል ይሽፍኖ፤ ነገር ዝደጋግም ግና ፅኑዕ ዕርክነት ይፈላሊ።


እንተይሰምዐ ምላሽ ዝህብ ሰብ፥ ዕሽነትን ሕፍረትን ይኾኖ።


ብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተ ተዛረብኩ፥ ግና ፍቕሪ እንተ ዘይብለይ፥ ከም ዝደምፅ ነሃስ፥ ወይ ጭልጭል ከም ዝብል ፀናፅል እየ።


ፍቕሪ ይዕገስ፤ ፍቕሪ ይርህርህ፤ ፍቕሪ ኣይቐንእን፤ ፍቕሪ ኣይምካሕን፤ ኣይዕበይን።


ኣብ ልዕሊ እዝ ዅሉ፥ መእሰሪ ፍፁምነት እያ እሞ፥ ንፍቕሪ ልበስዋ።


ከምቲ ንሕና ንኣኻትኩም እነፍቅረኩም፥ ጐይታ ኣብ ንስንሳትኩምን ምስ ኵሉ ሰብን፥ ፍቕሪ የብዝሐልኩምን ይወስኸልኩምን።


ኣሕዋትና፥ እምነትኩም በሊፃ እናዓበየት ትኸይድ ስለ ዘላ፥ እታ ኣብ ንስንሳትኩም ዘላ፥ ናይ ነፍሲ ወከፍኩም ፍቕሪውን እናበዝሐት ትኸይድ ስለ ዘላ፥ ብኣኻትኩም ኵሉ ጊዜ ንእግዚኣብሄር ነመስግኖ ኢና፤ እዙይ ከዓ ግቡእና እዩ።


ናይዝ ትእዛዝ እዙይ ዕላማ ግና፥ እታ ኻብ ንፁህ ልቢ፥ ካብ ፅርይቲ ሕሊና፥ ካብ ሓቀኛ እምነት እትርከብ ፍቕሪ እያ።


ሕውነታዊ ፍቕሪ ይሃሉ።


ኣብ ርእሲ እዙይ፥ ኣሕዋተይ፥ ኣይትምሓሉ። ብምድሪ ኾነ ብሰማይ ወይ ብኻልእ ነገር ኣይትምሓሉ፤ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ እግዚኣብሄር ከይትወድቁ ድማ፥ እቲ ቓልኩም፥ እወ እንተ ኾይኑ እወ፥ ኣይኮነን እንተ ኾይኑ ኣይኮነን፥ ይኹን።


እቲ ንሓጥእ ካብ መንገዲ ጌጋኡ ዝመልሶ፥ ንነፍሱ ድማ ኻብ ሞት ከም ዘድሓና፥ ብዙሕ ሓጢኣትውን ክሕደገሉ ኸም ዝገበረ ይፍለጥ።


ንሓቂ ብምእዛዝኩም፥ ግብዝና ንዘይብላ ፍቕሪ ኣሕዋት፥ ነፍስኹም ስለ ዘፅረኹም፥ ብምሉእ ልብኹም ንስንሳትኩም ተፋቐሩ።


ኣታ ፍቑረይ፥ ከምቲ መንፈሳዊ ናብራኻ ፅቡቕ ዘሎ፥ ከምኡ ኸዓ ብዅሉ ደሓን ክትህሉን፥ ጥዒና ኽትረክብን፥ እፅልየልካ ኣለኹ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos