6 ከም ሰብ ብስጋ ምእንቲ ኽፍረዶም፥ ብመንፈስ ግና፥ ከም እግዚኣብሄር ብህይወት ምእንቲ ኽነብሩ፥ ንምዉታት ወንጌል ተሰብከሎም።
በቲ እዋን እቱይ ንመከራ ኣሕሊፎም ክህቡኹምን ክቐትሉኹምን እዮም፤ ስለ ስመይ ከዓ፥ ብዅሎም ኣህዛብ ፅሉኣት ክትኮኑ ኢኹም።
እቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ናይ ህይወት መንፈስ ሕጊ፥ ካብቲ ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን፥ ሓራ ኣውፂኡና እዩሞ።
ንእግዚኣብሄር ህያው ኮይነ ምእንቲ ኽነብር፥ በቲ ሕጊ፥ ንሕጊ ሞይተ ኣለኹሞ።
ብመንፈስ እንነብር እንተ ደኣ ዄንና፥ ብመንፈስ ንመራሕ።
ኣምላኽ ከዓ፥ እቲ ኣገልግሎቶም ንኣኻትኩም እምበር፥ ንባዕላቶም ከም ዘይኮነ ገለፀሎም። እዝ ነገራት እዙይ፥ በቲ ኻብ ሰማይ ዝተልኣኸ መንፈስ ቅዱስ ገይሮም፥ ወንጌል ዝሰበኹልኩም ልኡኻት፥ ሕዚ ተነጊሩኩም ኣሎ። ነዝ ነገር እዙይ፥ መላእኽቲ እውን ክሪእዎ ይምነዩ እዮም።
ክርስቶስውን ናብ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኸቕርበና፥ ፃድቕ እንተሎ ምእንቲ ሓጥኣን ሓንሳእ ንሓዋሩ መከራ ተቐቢሉ ሞተ። ብስጋ ሞተ፤ ብመንፈስ ግና ህያው ኮነ።
በዝ መንፈስ እዙይውን፥ ከይዱ ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ነፍሳት ድሕነት ሰበኸሎም።
ካብቲ መሰውኢ ድማ፥ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ስልጣን ዘለዎ፥ ሓደ ኻልእ መልኣኽ ወፀ። ነቲ በሊሕ ማዕፂድ ዝሓዘ መልኣኽ ከዓ፥ ዓው ብዝበለ ድምፂ፥ “እቲ ዘለላ ወይኒ፥ በሲሉ እዩ እሞ፥ ነቲ በሊሕ ማዕፂድካ ሰዲድካ፥ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘለላ ወይኒ ቘሪፅካ ኣክቦ” በሎ።