19 እምበኣር እቶም ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር መከራ ዝቕበሉ፥ ሰናይ እናገበሩ፥ ንነፍሶም ነቲ እሙን ፈጣሪ የማሕፅኑ።
“ኪድ እሞ፥ ኣብ ሱሳ ንዘለዉ ዅሎም ኣይሁድ ኣኪብካ ኽሳዕ ሰለስተ መዓልቲ፥ ለይትን መዓልትን እንተይበላዕኹምን እንተይሰተኹምን ምእንታይ ፁሙ፤ ኣነውን ምስ ኣግራደይ ኮይነ ኽፀውም እየ። ሽዑ ሕጊ እኳ ዘይፈቐዶ እንተ ኾነ፥ ናብ ንጉስ ክኣቱ እየ፤ እንተ ሞትኩ እሙት” ኢላ ለኣኸትሉ።
እግዚኣብሄር ክፈድየለይ እዩ፤ ኦ ጐይታ፥ ምሕረትካውን ንዘለኣለም እዩ፤ ኦ ጐይታ፥ ንተግባር ኣእዳውካውን ሸለል ኣይትበል።
ነፍሰይ ኣብ ኢድካ ሓደራ እህብ ኣለኹ፤ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኦ ጐይታ ንስኻ ተቤዘውካኒ።
መንገድኻ ንእግዚኣብሄር ሓደራ ሃብ፤ ብእኡውን ተኣመን፤ ንሱ ድማ ኽገብረልካ እዩ።
እቲ ንኣይ ዝፈጠርክዎ ህዝቢ፥ ምስጋናይ ክናገር እዩ።”
ኵሉ እቲ ብስመይ ዝተፀውዐ፥ ንኽብረይ ዝፈጠርክዎን ዝሰራሕኹዎን ዝገበርኩዎን፥ ኣምፅእ” ክብሎ እየ።
ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንፁህ ስለ ዝኾንኩ፥ ንኣኻ ድማ ስለ ዘይበደልኩ፥ ኣምላኸይ መልኣኹ ልኢኹ፥ ኣፍ ኣናብስ ዓፀወለይ፤ ንሳቶምውን ኣይጐድኡንን” ኢሉ መለሰሉ።
ኢየሱስ ብዓብዪ ድምፂ፥ “ኦ ኣቦይ! ንነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኣማሕፅና ኣለኹ” በለ። እዙይ ምስ በለ ነፍሱ ወፀት።
ብእምኒ ቐጥቂጦም ክቐትልዎ እንተለዉ ኸዓ እስጢፋኖስ “ኦ ጐይታ ኢየሱስ! ንነፍሰይ ተቐበላ” ኢሉ ፀለየ።
ነቶም ሰናይ እናገበሩ፥ ምስጋናን ክብርን ዘለኣለማዊ ህይወትን ብትዕግስቲ ዝፅበዩ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክህቦም እዩ።
በዝ ምኽንያትዙይ ከዓ እየ፥ መከራ ዝቕበል ዘለኹ፤ ግና ንመን ከም ዝኣመንኩ ስለ ዝፈልጥ፥ ኣይሓፍርን እየ። ንሱ ኸዓ ነቲ ዝሃብክዎ ሕድሪ፥ ክሳዕ እታ መዓልቲ ጐይታ ኽሕልወለይ ከም ዝኽእል ርግፀኛ እየ።
ሰናይ እናገበርኩም፥ ናይ ዓያሹ ኸንቱ ዘረባ ስቕ ክተብሉ፥ ፍቓድ እግዚኣብሄር እዩ እሞ።
እግዚኣብሄር እንተ ፈቒዱዎስ ካብ ክፉእ እናገበርኩም፥ ሰናይ እናገበርኩም፥ መከራ ምቕባል ይሐይሽ እዩ።
እዚኣቶም እቶም ቀደም ብዘመን ኖህ እታ መርከብ ክትስራሕ እንተላ፥ እግዚኣብሄር ብትዕግስቲ እናተፀበዮም እንተሎ፥ ምእዛዝ ዝኣበይዎ እዮም። ኣብታ መርከብ ውሑዳት፥ ማለት ሸሞንተ ነፍሳት ብማይ ደሓና።