Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1ይ ጴጥሮስ 4:15 - መፅሓፍ ቅዱስ

15 ሓደኳ ኻባኻትኩም ቀታሊ፥ ወይ ሰራቒ፥ ወይ ገባሪ ክፉእ፥ ወይ ኣብ ነገር ካልኦት ኢዱ ዘእቱ ብምዃኑ፥ መከራ ዝቕበል ኣይሃሉኹም።

Ver Capítulo Copiar




1ይ ጴጥሮስ 4:15
9 Referencias Cruzadas  

“ሰራቒ ሰይሩ ኽኣቱ እንተሎ እንተ ተረኽበ፥ ወቒዖምዎ ኸዓ እንተ ሞተ፥ እቲ ወቓዒ ዝኸፍሎ፥ ዕዳ ደም የብሉን።


“ምእንታይ እንተ ፀረፉኹምን፥ እንተ ኣሳጐጕኹምን፥ ኵሉ ኽፉእውን ብሓሰት እንተ ተዛረቡልኩምን ብፁኣን ኢኹም።


ኣብ ናብራኹም፥ ካብ ሰብ ምእንቲ ኸይትደልዩ፥ እቶም ካብ እምነት ወፃኢ ዘለዉ ኸዓ፥ ምእንቲ ከኽብሩኹም፥ ከምቲ ዝኣዘዝናኩም ብህድኣት ክትነብሩን፥ ኣብ ናይ ባዕልትኹም ጉዳይ ክተተኵሩን፥ ብኢድኩም ክትሰርሑን፥ ንምዕደኩም ኣለና።


ኣባኻትኩም ብዘይ ስርዓት ዝመላለሱ፥ ኣብ ዘየእትዎም ዝኣትዉ፥ ሓንቲ ስራሕ ዘይብሎም፥ ከም ዘለዉ ሰሚዕና ኣለና።


ኣብ ልዕሊ እዙይውን፥ ገዛ ንገዛ እናዞራ፥ ምብኳር ስራሕ እየን ዝመሃራ፤ ምብኳር ስራሕ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ክዛረባኦ ዘይግባእ እናተዛረባ፥ ሓመይትን መውረይትን፥ ኣብ ዘየእትወን ዝኣትዋን እየን ዝኾና።


ብምኽንያት እዝ ወንጌል እዙይ ከዓ፥ ከም ገባሪ ክፉእ ተኣሲረ፥ መከራ እቕበል ኣለኹ። ቃል እግዚኣብሄር ግና ኣይእሰርን እዩ።


ምእንቲ ፅድቂ መከራ እንተ ተቐበልኩም ግና ብፁኣን ኢኹም። ዘፈራርሐኩም እንተ ሃለወውን ኣይትፍርሑ፤ ኣይትጨነቑውን።


እግዚኣብሄር እንተ ፈቒዱዎስ ካብ ክፉእ እናገበርኩም፥ ሰናይ እናገበርኩም፥ መከራ ምቕባል ይሐይሽ እዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos