10 ናይቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ፀጋ እግዚኣብሄር፥ እሙናት ኣገልገልቲ ብምዃን፥ ነፍሲ ወከፍኩም ከምቲ ዝተቐበልኩምዎ ውህብቶ ፀጋ፥ ሓደ ነቲ ሓደ የገልግል።
ወዲ ሰብውን፥ ከገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት ቤዛ ገይሩ ኽህብን ደኣ እምበር፥ ከገልግልዎ ኣይመፀን” በሎም።
ንዅሎም ኣህዛብ ምስክር ምእንቲ ክኸውን፥ እዝ ወንጌል መንግስቲ እዙይ፥ ኣብ ምሉእ ዓለም ክስበኽ እዩ፤ ሽዑ መወዳእታ ክኸውን እዩ።”
ሽዑ ኻብ መጀመርታ ዓለም ሒዙ ኽሳዕ ሎሚ ዘይኮነ፥ ድሕሪ ሕዚ እውን ከቶ ዘይኸውን፥ ብርቱዕ መከራ ክኸውን እዩ።
“እቲ በብጊዜኡ ምግቦም ክህቦም ኢሉ፥ ጐይታኡ ኣብ ልዕሊ ቤተሰቡ ዝሸሞ፥ እሙንን ለባምን ኣገልጋሊ መን እዩ?
እቲ ኽልተ መክሊት ዝተቐበለ ድማ፥ ካልእ ኽልተ መክሊት ኣትረፈ።
ሽዑ ንሳቶም ‘ኦ ጐይታ፥ መኣዝ ጠሚኻ ርኢናካስ ወይ ፀሚእኻ ወይ ጋሻ ዄንካ ወይ ዓሪቕካ ወይ ሓሚምካ ወይ ተኣሲርካ ዘየገልገልናካ?’ ኢሎም ይምልሱሉ።
ወዲ ሰብ፥ ከገልግልን ህይወቱ ቤዛ ብዙሓት ክህብን እምበር፥ ከገልግልዎ ኣይመፀንሞ” በሎም።
ጐይታ ድማ ኸምዙይ በለ፦ “እቲ ቐለቦም በብጊዜኡ ኽህቦም፥ ጐይታኡ ኣብ ቤተሰቡ ዝሸሞ እሙንን መስተውዓልን መጋቢ መን እዩ?
ንዓሰርተ ኣገልገልቱ ፀዊዑ ኸዓ ‘ክሳዕ ዝመፅእ በዙይ ንገዱ’ ኢሉ፥ ዓሰርተ ምናን ሃቦም።
ዮሃና ሰበይቲ ኩዛ ኣዛዚ ቤት ሄሮድስ፥ ሶስና፥ ብገንዘባተን ዘገልገላኦም ካልኦት ብዙሓትውን ምስኡ ነበራ።
ሕዚ ግና፥ ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዘለዉ ቕዱሳን ምእንቲ ኸገልግል፥ እኸይድ ኣለኹ።
ግቡኦም ስለ ዝኾነውን፥ ተሰማሚዖም እዮም። እቶም ኣህዛብ፥ ካብቲ መንፈሳዊ በረኸት ካብ ተኻፈሉ፥ ንሳቶም ድማ፥ በቲ ስጋዊ በረኸት ከገልግልዎም ግቡእ እዩ።
እቲ ኾይነዮ ዘለኹ ግና፥ ብፀጋ እግዚኣብሄር እየ ኾይነዮ ዘለኹ፤ እቲ ንኣይ ዝሃበኒ ፀጋ ኸዓ፥ ከንቱ ኣይኮነን፤ እኳ ደኣ ሕልፊ ዅላቶም ፀዓርኩ። እንተ ኾነ፥ እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ፀጋ እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን።
ኣነ እግዚኣብሄር ብዝሃበኒ ፀጋ፥ ከም ፈላጢ ሓናፂ ኾይነ፥ መሰረት ሰረትኩ፤ ሓደ ኻልእ ኣብ ልዕሊኡ ይሃንፅ ኣሎ፤ ነፍሲ ወከፍ፥ ከመይ ገይሩ ኸም ዝሃንፅ ይጠንቀቕ።
ካብ ካልኦት ብሉፅ ዝገበረካ መን እዩ? ዘይተቐበልካዮኸ እንታይ ኣለካ? ዝተቐበልካ ኻብ ኮንካኸ፥ ስለ ምንታይ ከም ዘይተቐበልካ እትምካሕ?
ሓቢርና መሳርሕቲ ከም ምዃንና፥ ፀጋ እግዚኣብሄር ንኸንቱ ኸይትቕበሉ፥ ንልምነኩም ኣለና።
ብዛዕባ ነቶም ቅዱሳን ዝኸውን ረድኤት ክፅሕፈልኩም ዘድሊ ኣይመስለንን።
ካብ ኵሎም ቅዱሳን ንዝነኣስኩ ንኣይ፥ ነቲ ዘይምርመር ሃብቲ ክርስቶስ፥ ንኣህዛብ ክሰብኽ፥ እዝ ፀጋ እዙይ ተውሃበኒ።
ንሱ ኸዓ ንገሊኣቶም ሃዋርያት፥ ንገሊኣቶም ነቢያት፥ ንገሊኣቶም ሰበኽቲ ወንጌል፥ ንገሊኣቶም ጓሶት [ምእመናን] ንገሊኣቶም ድማ፥ መምህራን ገይሩ ውህብቶ ሃበ።
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ጐይታ እግዚኣብሄር ምሕረት ይሃቦ። ኣብ ኤፌሶን ክንደይ ከም ዘገልገለኒውን፥ ንስኻ ኣፀቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ።
ኤጲስ ቆጶስ፥ ከም መጋቢ እግዚኣብሄር፥ ነቐፋ ዘይብሉ ክኸውን ይግባእ እዩሞ፤ ከምኡውን፥ ዘይዕበ፥ ዘይዅሪ፥ ዘይሰክር፥ ዘይበኣስ፥ ፍቕሪ ገንዘብ ዘይብሉ፥ ክኸውን ኣለዎ።
እግዚኣብሄር ቅኑዕ ፈራዲ ስለ ዝኾነ፥ ነቲ ምእንቲ ፍቕሩ ኢልኩም፥ ብስሙ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን፥ እተገልግልዎም ዘለኹምን፥ ስራሕኹም ዝርስዕ ኣይኮነን።
ናብ ዘለኣለም ክብሩ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝፀውዐኩም፥ ኣምላክ ናይ ኵሉ ፀጋ፥ ቁሩብ ጊዜ መከራ ምስ ተቐበልኩም፥ ንሱ ኽፍፅመልኩም፥ ከፅንዐኩም፥ ከበርትዐኩም፥ ክምስርተኩምውን እዩ።
በቲ እሙን ምዃኑ ዝፈልጦ ሓውና ስልዋኖስ ገይረ፥ ከተባብዐኩምን፥ እዝ ቘይምኩምሉ ዘለኹም ፀጋ፥ ናይ ሓቂ ፀጋ ኣምላኽ ምዃኑ እናመስከርኩልኩም፥ ነዛ ሓፃር መልእኽቲ ፅሒፈልኩም ኣለኹ።