Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1ይ ጴጥሮስ 4:1 - መፅሓፍ ቅዱስ

1-2 እምበኣር ክርስቶስ ብስጋ ምእንታና መከራ ስለዝተቐበለ፥ ነቲ ብስጋ ኽትነብሩ ዝተረፈኩም ዘመን፥ ከም እግዚኣብሄር ፍቓድ እምበር፥ ከም ትምኒት ስጋኹም ምእንቲ ኸይትነብሩ፥ ንስኻትኩምውን ነዝ ሓሳብ እዙይ፥ ከም ኣፅዋር ጌርኩም ሓዝዎ፤ ብስጋኡ መከራ ዝተቐበለ ሰብ፥ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ እሞ።

Ver Capítulo Copiar




1ይ ጴጥሮስ 4:1
17 Referencias Cruzadas  

ተሓፀቡ፤ ንርእስኹም ኣንፅሁ፤ ክፉእ ስራሕኹም ካብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣርሕቑ፤ ክፉእ ምግባር ሕደጉ።


ነባይትኺ ብሓዊ ኸባርዕዎ፥ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ኣንስቲ ኸዓ ኽፈርዱኺ እዮም፤ ኣነውን ምንዝርናኺ ኸሕድገኪ እየ፤ መሊስኪ ድማ ዋጋ ኣይትህብን ኢኺ።


ኢየሱስ ከዓ ነቲ ኢዱ ዝሰለለት ሰብ “ተስእሞ ኣብ ማእኸል ደው በል” በሎ።


ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ሓጢኣት ከይትገብሩ ኸም ዝሞትኩም፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ግና፥ ንእግዚኣብሄር ህያዋን ከም ዝኾንኩም ንርእስኹም ቍፀሩ።


ኣይፋልናን፤ ንሕና ኻብ ሓጢኣት ፈፂምና ተፈሊና እናበልናስ፥ ከመይ ኢልና ደኣ ሕዚ፥ ኣብ ሓጢኣት ክንነብር?


እቲ ዝሞተ፥ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወፂኡ እዩ እሞ።


ኣነ ምስ ክርስቶስ ተሰቒለ ኣለኹ፤ ደጊም ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዝነብር ዘሎ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን ዝነብር ዘለኹ፤ እዝ ሕዚ ብስጋ ዝነብሮ ዘለኹ ድማ፥ በቲ ዘፍቀረኒ፥ ምእንታይ ከዓ ንባዕሉ ቤዛ ዝሃበ ወዲ እግዚኣብሄር ብምእማን እየ ዝነብሮ ዘለኹ።


እቶም ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኾኑ፥ ነቲ ስጋ ምስ ክፉእ ፍትወቱን ድልየቱን፥ ሰቒሎምዎ እዮም።


ስለዙይ በታ ኽፍእቲ መዓልቲ፥ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ኵሉ ስዒርኩም ድማ ደው ክትብሉስ፥ ምሉእ ኣፅዋር እግዚኣብሄር ኣልዕሉ።


እምበኣር ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተኣዘዙ፤ እቲ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛቱን ሕግጋቱን ከዓ ፈፅምዎ።”


ከምዙይ ከዓ እቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝነበረ ሓሳብ፥ ኣባኻትኩምውን ይሃሉኹም።


ምእንቲ ኸይትደኽሙን፥ ተስፋ ኸይትቘርፁን፥ ነቲ ብሓጥኣን ክንድዙይ ዝኣክል መከራ ዝተዓገሰ ንእኡ ዘክርዎ።


እቲ ናብ ዕረፍቱ ዝኣተወ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ካብ ስራሑ ዘዕረፈ፥ ንሱውን ካብ ስራሑ የዕርፍ እዩ እሞ።


ንስኻትኩምውን ነዙይ ኢኹም ዝተፀዋዕኹም እሞ፤ ክርስቶስ ድማ፥ ኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ ኢሉ፥ ምእንታኻትኩም መከራ ተቐበለ፤ ኣርኣያውን ሓደገልኩም።


ክርስቶስውን ናብ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኸቕርበና፥ ፃድቕ እንተሎ ምእንቲ ሓጥኣን ሓንሳእ ንሓዋሩ መከራ ተቐቢሉ ሞተ። ብስጋ ሞተ፤ ብመንፈስ ግና ህያው ኮነ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos