6 ሳራ ንኣብርሃም “ጐይታይ” እናበለት፥ ትእዘዞ ኸም ዝነበረት፥ ንስኻትክንውን ብሓደ ዘደንግፅ ነገር እንተይፈራሕኽን ሰናይ እንተገበርክን ደቃ ኢኽን።
ሳራ ድማ ብልባ “ድሕሪ እርጋነይዶ ፍትወት ክኾነለይ ይኽእል? ጐይታይውን ፈፂሙ ኣሪጉ እዩ” ኢላ ሰሓቐት።
ሽዑ ሳራ ደንገፀት፤ ስለ ዝፈርሐትውን “ኣይሰሓቕኩን” በለት። ንሱ ግና “ኣይፋልክን፥ ስሒቕኪ እባ” በላ።
ንጉስ ፅባቐኺ ፈትዩ እዩሞ፥ ንሱ ጐይታኺ እዩ እሞ።
“ሓሰት ዝተናገርኪ፥ ንኣይውን ዘይዘከርኪ፥ ነቲ ነባርውን ኣብ ልብኺ ዘየንበርኪ፥ ንመን ሰጊእኺ ኢኺ? ኣነ ብዙሕ ጊዜ ስቕ በልኩ፤ ንስኺውን ኣይፈራሕኽን።
ጴጥሮስን ዮሃንስን ከዓ “ንእግዚኣብሄር ካብ ምስማዕ፥ ንኣኻትኩም ምስማዕ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ እንተ ደኣ ኾይኑስ፥ እስኪ ባዕልኻትኩም ፍረዱ።
ክወግሕ ምስ ጀመረ፥ እታ ሰበይቲ ናብቲ ጐይታኣ ዘለዎ ኣፍ ደገ ቤት እቲ ሰብኣይ መፂኣ፥ ክሳዕ ፀሓይ እትበርቕ ኣብኡ ወዲቓ ነበረት።