5 ቀደምውን፥ ተስፋአን ኣብ እግዚኣብሄር ዝገበራ ቕዱሳት ኣንስቲ፥ ብኸምዙይ እየን ዝተሸለማ፤ ንሰብኡተንውን ይእዘዛ ነበራ።
ለባም ሰበይቲ መን ይረኽባ? ዋጋኣ ኻብ ዝኸበረ ቐይሕ ዕንቊ የመና ዝኸበረት እያ።
ፅባቐ ሓሰት እዩ፤ ቁንጅና ድማ ኸንቱ እዩ፤ ንእግዚኣብሄር እትፈርሕ ሰበይቲ ግና፥ ክትነኣድ ይግብኣ።
ንደኽታማትካ ሕደጎም፤ ኣነ ብህይወት ከንብሮም እየ፤ መበለታትካውን ኣባይ ይተኣመና።”
ንሳ ሰማንያን ኣርባዕተን ዓመት ዝዕድሚኣ መበለት ነበረት። ካብ ቤተ መቕደስ እንተይወፀትውን፥ ብፆምን ብፀሎትን ለይትን መዓልትን፥ ንእግዚኣብሄር ተገልግል ነበረት።
እዚኣቶም ኵሎም፥ ምስ ገሊኣተን ኣንስትን፥ ምስ ማርያም እኖ ኢየሱስን፥ ምስ ኣሕዋቱን ሓቢሮም፥ ፀሎት የዘውትሩ ነበሩ።
ኣብ ከተማ ኢዮጴ ድማ፥ ጣቢታ እትበሃል ኣማኒት ነበረት፤ ትርጕሙ ድማ፥ ድኵላ ማለት እዩ፤ ንሳ ኸዓ ሰናይ ምግባርን፥ ምፅዋት ምሃብን ተዘውትር ነበረት።
ስለዙይ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ፥ ንሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራ፤ ሰበይቲውን፥ ንሰብኣያ ተኽብሮ።
ከምቲ ነተን መንፈሳውያት ኣንስቲ ዝግባእ፥ ብሰናይ ግብሪ ኽሽለማ እደሊ ኣለኹ።
ሰበይቲ ግና፥ ብእምነትን ብፍቕርን ብቕድስናን ብትሕትናን ፀኒዓ እንተ ነበረት፥ ውሉድ ብምውላድ ክትድሕን እያ።
እታ ብርግፅ መበለት ግና፥ ተስፋኣ ኣብ እግዚኣብሄር ገይራ፥ ምእንቲ ኽረድኣ ለይትን መዓልትን፥ ብምህለላን ፀሎትን እያ እትተግህ።
ሳራውን ጊዜኣ እኳ ሓሊፉ እንተ ነበረ፥ ነቲ ተስፋ ሂብዋ ዝነበረ እግዚኣብሄር ስለ ዝኣመነት፥ ክትጠንስ ብእምነት ሓይሊ ረኸበት።
ንኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ብምትሳኡ ህያው ተስፋ ዝሃበና፥ ብብዝሒ ምሕረቱ ብሓድሽ ልደት ውሉዱ ዝገበረና፥ ኣምላኽን ኣቦን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ይባረኽ።
ሃና ድማ ኸምዙይ ኢላ ፀለየት፦ “ልበይ ብእግዚኣብሄር ፀንዐ፤ ቀርነይውን ብእግዚኣብሄር ልዕል ልዕል በለ። ኣፈይ ኣብ ልዕሊ ፀላእተይ ተኸፈተ። ብምድሓንካውን ተሓጐስኩ።