21 ማይ ናይቲ ሕዚ ዘድሕነኩም ጥምቀት ምልክት እዩ፤ ጥምቀት ከዓ እቲ ብትንሳኤ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብንፁህ ሕሊና ናብ ኣምላኽ ዝቐርብ ልመና እዩ እምበር፥ ናይ ሰብነት ርስሓት ዝሓፅብ ኣይኮነን።
“በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንቤት ዳዊትን ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩን፥ ካብ ሓጢኣትን ካብ ርኽሰትን እተንፅህ፥ ዓይኒ ማይ ክትክፈተሎም እያ።
እምበኣር ኪዱ እሞ፥ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናጥመቕክምዎም፥ ነቲ ዅሉ ዝኣዘዝኩኹም ምእንቲ ኽሕልዉዎውን እናመሃርኩምዎም፥ ደቀ መዛሙርት ግበርዎም፤ እንሆ፥ ኣነ ድማ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም፥ ኵልሻዕ ምሳኻትኩም እየ።”
እቲ ዝኣመነን ዝተጠመቐን፥ ክድሕን እዩ፤ እቲ ዘይኣመነ ግና፥ ክዅነን እዩ።
ስምኦን ጴጥሮስ ድማ “ጐይታ፥ እምበኣር ኣእጋረይ ጥራሕ ኣይኮነን፥ ኣእዳወይን ርእሰይንውን እምበር” በሎ።
ሽዑ በታ ለይቲ እቲኣ ወሲዱ፥ ቍስሎም ሓፀበሎም፤ ምስ ኵሎም ስድራ ቤቱ ኸዓ ተጠመቐ።
ጴጥሮስ ድማ፦ “ተነስሁ፤ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኽሕደገልኩም፥ ኵልኻትኩም ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ተጠመቑ፤ ውህብቶ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም።
ሕዝኸ እንታይ ትፅበ ኣለኻ? ተስእሞ፥ ስም ጐይታ እናፀዋዕኻ ተጠመቕ፤ ካብ ሓጢኣትካውን ተሓፀብ” በለኒ።
ክኸዱ እንተለዉ ድማ፥ ማይ ኣብ ዘለዎ ቦታ በፅሑ፤ ሽዑ እቲ ስሉብ “እንሆ ኣብዙይ ማይ ኣሎ፤ ከይጥመቕ ዝኽልክለኒ እንታይ ኣሎ?” በሎ።
ፊልጶስ ከዓ “ብምሉእ ልብኻ እንተ ኣሚንካስ፥ ክትጥመቕ ትኽእል ኢኻ” በሎ። ንሱ ድማ “ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሄር ምዃኑ እኣምን እየ” ኢሉ መለሰሉ።
ሞት ግና፥ ካብ ኣዳም ጀሚሩ ኽሳዕ ሙሴ፥ ኣብቶም ከም ኣዳም ትእዛዝ ብምጥሓስ ሓጢኣት ዘይገበሩውን፥ ነጊሱ ነበረ፤ ኣዳም ከዓ፥ ምሳሌ እቲ ኽመፅእ ዘለዎ ነበረ።
ንሕና ኣይሁድ ኮንና ግሪካውያን፥ ባሮት ኮንና ነፃ ሰባት ኵልና፥ ሓደ ሰብነት ምእንቲ ኽንከውን፥ ብሓደ መንፈስ ተጠመቕና፤ ሓደ መንፈስውን ሰተና።
ኣሕዋተይ፥ በቲ ሓደ ኽትምክሑ፥ ነቲ ሓደ ኸዓ ኽትንዕቑ ኣይግባእን እዩ። ነቲ “ካብ ፅሑፍ ኣይትሕለፍ” ዝብሎ፥ ካባና ምእንቲ ኽትመሃሩ ንጥቕምኹም ኢለ፥ ንባዕለይን ንኣጵሎስን፥ ከም ምሳሌ ኣቕሪበልኩም ኣለኹ።
ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ፥ ኣውራ ኸዓ በቲ ምሳኻትኩም ዘለና ርክብ፥ በቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝርከብ ቅድስናን ቅንዕናን ከም ዝነበርና፥ ሕሊናና ይምስክረልና እዩ። ነዙይ ከዓ ብጥበብ ሰብ ዘይኮነስ፥ ብፀጋ እግዚኣብሄር ስለ ዝገበርናዮ፥ ንምካሕ ኢና።
እምበኣርከስ፥ ኣቱም ፍቑራተይ፥ እዝ ዅሉ ተስፋ እዙይ ካብ ሃለወናስ፥ ካብቲ ዅሉ ስጋን መንፈስን ዘርክስ፥ ርእስና ነንፅህ። ንእግዚኣብሄር ብምፍራሕ፥ ቅድስናና ፍፁም ንግበሮ።
ብክርስቶስ ዝተጠመቕኩም ኵልኻትኩም፥ ንክርስቶስ ለቢስኩምዎ ኢኹም።
ብምሕፃብ ማይ፥ ብቓሉ ኣፅርዩ ምእንቲ ኽቕድሳ፥
ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርኩም፤ ብሓይሊ እቲ ኻብ ሞት ዘተስኦ እግዚኣብሄር ብምእማንኩም ድማ፥ ምስኡ ተሳእኹም።
ናይዝ ትእዛዝ እዙይ ዕላማ ግና፥ እታ ኻብ ንፁህ ልቢ፥ ካብ ፅርይቲ ሕሊና፥ ካብ ሓቀኛ እምነት እትርከብ ፍቕሪ እያ።
ሰናይ ናይ እምነት ገድሊ ተጋደል፤ ነታ ዝተፀዋዕኻላ፥ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት መሰኻኽርውን ፅቡቕ ምእማን ዝተኣመንካላ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ሓዝ።
ኻብ ክፉእ ሕሊና ምእንቲ ኽንነፅህ፥ ልብና ተነፂግና፥ ሰብነትና ብንፁህ ማይ ሓፂብና፥ ብቕኑዕ ልብን ብሙሉእ እምነትን፥ ናብ እግዚኣብሄር ንቕረብ።
ኣብርሃም፥ እግዚኣብሄር ካብ ምዉታን ከተስኦ ኸም ዝኽእል ብምእማኑ፥ ካብ ሞት ከም ዝተስአ ኾይኑ፥ ንይስሓቅ መሊሱ ረኸቦ።
ቕኑዕ ሕሊና ኸም ዘለና ርግፀኛታት ኢና፤ ኣብ ኵሉ ፅቡቕ ንምግባርውን ድልየት ኣለናሞ፥ ፀልዩልና።
ደም እቲ ብዘለኣለማዊ መንፈስ ገይሩ፥ ንባዕሉ ብዘይ ነቐፋ፥ ንእግዚኣብሄር ዘቕረበ ክርስቶስ ግዳ፥ ነቲ ህያው እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽነገልግል፥ ንሕሊናና ኻብቲ ሞት ዘስዕብ ግብሪ፥ ክንደይ ኣብሊፁ ዘየንፅሆ!
ክርስቶስ ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሄር ክንዳና ምእንቲ ኽረአየልና፥ ናብ ሰማይ ኣተወ እምበር፥ ናብታ ብኢድ ዝተገብረት፥ ናይታ ምስሊ ናይ ብሓቂ መቕደስ ናብ ዝኾነት ኣይኣተወን።
ንኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ብምትሳኡ ህያው ተስፋ ዝሃበና፥ ብብዝሒ ምሕረቱ ብሓድሽ ልደት ውሉዱ ዝገበረና፥ ኣምላኽን ኣቦን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ይባረኽ።
እቶም ነቲ ብክርስቶስ ዘለኩም ሰናይ ኣካይዳኹም ዝፀርፉ፥ በቲ ዝፀርፍዎ ምእንቲ ኽሓፍሩ፥ ንፁህ ሕሊና ይሃሉኹም።