17 እግዚኣብሄር እንተ ፈቒዱዎስ ካብ ክፉእ እናገበርኩም፥ ሰናይ እናገበርኩም፥ መከራ ምቕባል ይሐይሽ እዩ።
ቁሩብ ርሕቕ ኢሉ ብገፁ ተደፊኡ ፀለየ፤ “ኦ ኣቦይ! እዙይ ዝከኣል እንተ ኾይኑስ፥ እዛ ፅዋዕ እዚኣ ኻባይ ትሕለፍ! ግና ኸም ናተይ ፍቓድ ዘይኮነስ፥ ከም ናትካ ፍቓድ ይኹን!” በለ።
ካልኣይ ጊዜ ኸይዱ ኸዓ “ኦ ኣቦይ! እዛ ፅዋዕ እዚኣ እንተይሰተኽዋ ኽትሓልፍ ዘይከኣል እንተ ኾይኑስ፥ ፍቓድካ ይኹን!” እናበለ ደጊሙ ፀለየ።
ከፋንውዎ እንተለዉ “በቲ ዝመፅእ በዓል፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ግድን ከኽብር ኣለኒ። ፍቓድ እግዚኣብሄር እንተ ኾይኑ፥ ናባኻትኩም ክምለስ እየ” ኢሉ ተሰናቢቱ፥ ካብ ኤፌሶን ብመርከብ ከደ።
ምቕባል ምስ ኣበየና ኸዓ፥ “እግዚኣብሄር ዝፈቐዶ ይኹን” ኢልና ስቕ በልና።
ንቑሩብ ጊዜ፥ ብዙሕ ብዝዓይነቱ ፈተና ኽትሓልፉ እኳ ግዲ እንተ ኾነ፥ በዙይ ክትሕጐሱ ኢኹም።
ሰናይ እናገበርኩም፥ ናይ ዓያሹ ኸንቱ ዘረባ ስቕ ክተብሉ፥ ፍቓድ እግዚኣብሄር እዩ እሞ።
እናበደልኩም፥ መቕፃዕቲ እንተ ተዓገስኩም፥ እንታይ ናእዳ ኣለኩም? ሰናይ እናገበርኩም፥ መከራ እንተ ተዓገስኩም ግና፥ ኣብ እግዚኣብሄር ዘንእደኩም እዙይ እዩ።
ምእንቲ ፅድቂ መከራ እንተ ተቐበልኩም ግና ብፁኣን ኢኹም። ዘፈራርሐኩም እንተ ሃለወውን ኣይትፍርሑ፤ ኣይትጨነቑውን።
ሓደኳ ኻባኻትኩም ቀታሊ፥ ወይ ሰራቒ፥ ወይ ገባሪ ክፉእ፥ ወይ ኣብ ነገር ካልኦት ኢዱ ዘእቱ ብምዃኑ፥ መከራ ዝቕበል ኣይሃሉኹም።
እምበኣር እቶም ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር መከራ ዝቕበሉ፥ ሰናይ እናገበሩ፥ ንነፍሶም ነቲ እሙን ፈጣሪ የማሕፅኑ።