14 ምእንቲ ፅድቂ መከራ እንተ ተቐበልኩም ግና ብፁኣን ኢኹም። ዘፈራርሐኩም እንተ ሃለወውን ኣይትፍርሑ፤ ኣይትጨነቑውን።
በቲ ብድንገት ዝመፅእ መዓት ኣይትድንግፅን፤ በቲ ንሓጥኣን ዝመፆም ጥፍኣትውን ኣይትሽበርን፤
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣነ፥ ኣነ እየ ዘፀናንዐኩም፤ ነዝ መዋቲ ሰብ፥ ነዝ ኸም ሳዕሪ ዝሓልፍ ወዲ ሰብ፥ ስለ ምንታይ ኢኻ እትፈርሕ?
ኣነ ኸድሕነካ ምሳኻ እየ እሞ ኣብ ቅድሚኣቶም ኣይትፍራሕ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ሽዑ ኣነ “ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ትፈልጥ፤ ዘክረንን ኣድሕነንን፤ ነቶም ዘሳጕጉኒውን ተበቀሎም፤ ኣይትተዓገሶም።
ንግምባርካ ኣልማዝ፥ ካብ ብላድ እምኒ ኸም ዝብርትዕ ገይረዮ እየ፤ ዓማፂት ቤት እዮም እሞ፥ ኣይትፍርሓዮም፤ ኣብ ቅድሚኣቶም ከዓ ኣይትደንግፅ።”
ነቲ ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ከእቱ ዝከኣሎ ደኣ ፍርሕዎ እምበር፥ ነቶም ንስጋ ዝቐትሉ፥ ንነፍሲ ግና ኽቐትልዋ ዘይከኣሎም፥ ኣይትፍርሕዎም።
እምበኣርከስ ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ፥ እምብዛ ትበልፁ ኢኹም እሞ ኣይትፍርሑ።
ንህይወቱ ኸድሕና ዝደለየ ኸጥፍኣ እዩ፤ ንህይወቱ ምእንታይ ዘጥፍኣ ግና ኸድሕና እዩ።
እቲ ንህይወቱ ኸድሕና ዝደሊ፥ ከጥፍኣ እዩ፤ እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዘጥፍኣ ኸዓ፥ ክረኽባ እዩ።
ኵሉ ስለ ስመይ ኢሉ ኣባይቲ፥ ኣሕዋት፥ ኣሓት፥ ኣቦ፥ እኖ፥ ሰበይቲ፥ ውሉድ፥ ገራሁ ዝሓደገ፥ ሚእቲ ዕፅፊ ኽረክብ እዩ፤ ናይ ዘለኣለም ህይወትውን ክወርስ እዩ።
ኢየሱስ ድማ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ኢሉ፥ ገዛ ወይ ኣሕዋት፥ ወይ ኣሓት፥ ወይ እኖ፥ ወይ ኣቦ፥ ወይ ሰበይቲ፥ ወይ ውሉድ፥ ወይ ገራሁ ዝሓደገ፥
እቲ ንህይወቱ ኸድሕና ዝደሊ ኸጥፍኣ እዩ፤ እቲ ንህይወቱ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ዘጥፍኣ ግና፥ ከድሕና እዩ።
“ልብኹም ኣይሸበር፤ ብእግዚኣብሄር እመኑ፤ ብኣይውን እመኑ።
ሰላም እሓድገልኩም ኣለኹ፤ ሰላመይውን እህበኩም ኣለኹ፤ እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘለኹ፥ ከምቲ ዓለም ዝህቦ ኣይኮነን፤ ልብኹም ኣይሸበር፤ ኣይፍራሕውን።
ምእንቲ ስመይውን፥ ብዙሕ መከራ ኽቕበል ከም ዘለዎ ኸርእዮ እየ” በሎ።
እንትደክም፥ ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም፥ ብፀርፊ፥ ብሓሳር፥ ብስደት፥ ብመከራ እሕጐስ ኣለኹ።
እቲ ተውሂቡኩም ዘሎ ፀጋ ኸዓ፥ ብእኡ ኽትኣምኑ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ምእንታኡውን መከራ ኽትቅበሉ እዩ።
እቲ ብጊዜ ፈተና ዝዕገስ ሰብ፥ ዝተባረኸ እዩ፤ ተፈቲኑ ምስ ወፀ፥ እግዚኣብሄር ነቶም ዘፍቅርዎ ዘተስፈዎም፥ ኣኽሊል ህይወት ክቕበል እዩ እሞ።
እንሆ፥ ነቶም ክሳዕ መወዳእታ ዝተዓገሱ፥ ብፁኣን እዮም ንብሎም። ብዛዕባ ትዕግስቲ ኢዮብ ሰሚዕኹም ኣለኹም፤ ነቲ እግዚኣብሄር፥ ኣብ መወዳእታ ዝገበረሉውን ርኢኹም ኣለኹም። እግዚኣብሄር፥ ርህሩህን ምሕረት ዝመልኦን እዩ እሞ።
ሳራ ንኣብርሃም “ጐይታይ” እናበለት፥ ትእዘዞ ኸም ዝነበረት፥ ንስኻትክንውን ብሓደ ዘደንግፅ ነገር እንተይፈራሕኽን ሰናይ እንተገበርክን ደቃ ኢኽን።