Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1ይ ጴጥሮስ 3:10 - መፅሓፍ ቅዱስ

10 ከምቲ መፅሓፍ ዝብሎ፦ “እቲ ህይወት ዝፈቱ፥ ሰናያት መዓልቲታት ከዓ ኽርኢ ዝደሊ፥ ልሳኑ ኻብ ክፉእ፥ ከናፍሩውን ተንኰል ከይዛረባ ይኸልክል።

Ver Capítulo Copiar




1ይ ጴጥሮስ 3:10
24 Referencias Cruzadas  

ሰይጣን ድማ ንእግዚኣብሄር “ ‘ቈርበት ክንዲ ቘርበት’ ከም ዝበሃል፥ ሰብ ብህይወት ምእንቲ ኽነብር ኵሉ ዘለዎ ይህብ እዩ።


መዋእለይ፥ ካብ ጐያዪ ሰብ ይቕልጥፋ፤ ፅቡቕ ነገር እንተይረአያ ድማ ይሃድማ ኣለዋ።


ብመድሓኒትካ ድማ ተመልከተና፤ ሰናይ ናይ እቶም ዝመረፅካዮም ምእንቲ ኽንርኢ፥ ብደስታ ህዝብኻውን ምእንቲ ኽንሕጐስ፥ ምስ ርስትኻውን ምእንቲ ኽንሕበን።


ናይ እግዚኣብሄር ሕያዋይነት ኣብ ምድሪ ህያዋን ከም ዝርኢ፥ እኣምን ኣለኹ።


ግና ናብ ትውልዲ ኣቦታቱ ይወርድ፤ ንዘለኣለም ብርሃን ኣይርእን።


ንሳ ንዝሕዝዋ ኦም ህይወት እያ፤ ኵሉ ዝምርኰሳውን ብፁእ እዩ።


እዙይ ነዊሕ ዕድመ ኽህበካ እዩ፤ በረኸትን ሰላምን ከዓ ኸብዝሐልካ እዩ።


ንሳ ንዝረኽብዋ ህይወት፥ ንዅሉ ስጋኦምውን ፈውሲ እያሞ።


እቲ ዝረኽበኒ፥ ህይወት ይረክብ፤ ካብ እግዚኣብሄር ድማ ሞገስ ይረክብ።


ኣነ ብልበይ፥ ደቂ ሰብ ብዘመን ህይወቶም ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ክገብርዋ እትግባእ ሰናይ ነገር እንታይ ከም ዝኾነት ክሳዕ ዝርኢ፥ ልበይ ብጥበብ እናመርሐኒ፥ ንሰብነተይ ብወይኒ ኸሐጕሶ ንዕሽነትውን ንምሓዝ ብልበይ መርመርኩ።


ኢየሱስ ከዓ “ንምንታይ ብዛዕባ ሰናይ ትጥይቐኒ? እቲ ሰናይስ ሓደ እዩ። ናብ ህይወት ክትኣቱ እንተ ደሊኻስ ትእዛዛቱ ሓሉ!” በሎ።


እቲ ንህይወቱ ኸድሕና ዝደሊ ኸጥፍኣ እዩ፤ እቲ ንህይወቱ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ዘጥፍኣ ግና፥ ከድሕና እዩ።


ኢየሱስ ንናትናኤል ናብኡ ኽመፅእ እንተሎ ምስ ረአዮ፥ ብዛዕባኡ “እንሆ! ኽፍኣት ዘይብሉ ብሓቂ እስራኤላዊ” በለ።


እቲ ንነፍሱ ዝፈትዋ፥ ከጥፍኣ እዩ፤ እቲ ንነፍሱ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዝፀልኣ ግና፥ ንህይወት ዘለኣለም ክሕልዋ እዩ።


እዝ ቓል እዙይ ህይወትኩም እዩ እምበር፥ ከንቱ ቓል ኣይኮነን፤ ኣብታ ንስኻትኩም ንዮርዳኖስ ተሳጊርኩም ክትወርስዋ ዘለኩም ምድሪ ድማ በዝ ቓል እዙይ ዕድሜኹም ክተንውሑ ኢኹም፤” በሎም።


ሓደ ሰብ ንእግዚኣብሄር ኣምልኽ እየ እንተበለ፥ ንልሳኑ ግና ኽቈፃፀር ዘይኽእል እንተ ኾይኑ፥ ንባዕሉ ደኣ የታልል ኣሎ እምበር፥ ኣምልኾኡ ኸንቱ እዩ።


እምበኣር ንዅሉ ኽፍኣትን፥ ምትላልን፥ ግብዝናን፥ ቅንእን፥ ሓሜትን ኣወግዱ።


“ንሱ ሓጢኣት ኣይገበረን፤ ሓሰትውን ኣብ ኣፉ ኣይተረኽበን።”


ኣብ ኣፎም ሓሰት ኣይተረኽበን፤ ነውሪ እውን የብሎምን።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos