1-2 ከምኡውን፥ ኣትን ኣንስቲ፥ ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። ንቓል እግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ሰብኡት እንተልዮም ድማ፥ ከም እተኽብራኦምን፥ ብንፅህና ኸም እትነብራን ምስ ረአዩ፥ ብዘረባ ዘይኮነስ ብህይወት ኣንስቶም፥ ክምለሱ ይኽእሉ እዮም።
ነታ ሰበይቲ ኸዓ “ኣብ ወርሓት ጥንስኺ ንመከራኺ ኸብዝሖ እየ፤ ብፃዕሪ ኽትወልዲ ኢኺ፤ ምስ እዙይውን ድሌትኪ ናብ ሰብኣይኪ ክኸውን እዩ፤ ንሱውን ክመልከኪ እዩ” በላ።
ፍረ ፃድቕ ኦም ህይወት እያ፤ ንነፍሳት ዝእክብውን ንሱ ጠቢብ እዩ።
ዝተበደለ ሓው፥ ከም ዝተዓረደ ኸተማ ፅኑዕ እዩ፤ ባእሱ ድማ ኸም መሀርሀሪ ዕርዲ እዩ።
“ሓውካ እንተ በደለካ፥ ኼድካ ንስኻን ንሱን በይንኻትኩም ኴንኩም መዓዶ፤ እንተ ሰምዐካ ንሓውካ ናትካ ገበርካዮ።
ግና ኸምቲ ኢሳይያስ “ጐይታይ፥ ንምስክርነትና መን ኣመኖ?” ዝበሎ፥ ኵላቶም ንቓል ወንጌል ኣይተኣዘዙን።
ቀደም ባሮት ሓጢኣት እኳ እንተ ነበርኩም፥ ነቲ ብሕድሪ ዝተውሃበኩም ትምህርቲ ኻብ ልቢ ስለ ዝተኣዘዝኩምዎ፥ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወፂእኹም፥ ንፅድቂ ስለ ዝተገዛእኹም፥ እግዚኣብሄር ዝተመስገነ ይኹን።
ሰበይቲ፥ ሰብኣያ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ፥ ብሕጊ ምስኡ እስርቲ እያ። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፥ ካብቲ ዝተኣሰረትሉ ሕጊ ፍትሕቲ እያ።
ግናኸ ርእሲ ሰብኣይ ክርስቶስ፥ ርእሲ ሰበይቲ ኸዓ ሰብኣይ፥ ርእሲ ክርስቶስውን እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ፥ ክትፈልጡ እደሊ ኣለኹ።
ኣንስቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክዛረባ ኣይተፈቐደለንን እዩ እሞ፥ ስቕ ይበላ። ግና ኸምቲ ሕጊ ሙሴ ዝብሎ ይተኣዘዛ።
ኣቲ ሰበይቲ፥ ንሰብኣይኪ እንተ ኣድሓንክዮ እንታይ ትፈልጢ? ኣታ ሰብኣይውን፥ ንሰበይትኻ እንተ ኣድሓንካያ እንታይ ትፈልጥ?
ስለዙይ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ፥ ንሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራ፤ ሰበይቲውን፥ ንሰብኣያ ተኽብሮ።
ኣትን ኣንስቲ፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ብዘብል መንገዲ፥ ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም።
ነቲ ዝተውሃበኩም ጊዜ ብግቡእ እናተጠቐምኩም፥ ምስቶም ኣብ ወፃኢ ዘለዉ ብጥበብ ተመላለሱ።
ነቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈልጥዎን፥ ነቶም ንወንጌል ጐይታና ኢየሱስ ዘይእዘዝዎን፥ ሕነ ኽፈድዮም እዩ።
ኣብርሃም ምስ ተፀውዐ፥ ብእምነት ተኣዘዘ፤ ናበይ ከም ዝኸይድ እንተይፈለጠውን፥ ናብቲ ርስቲ ኽቕበለሉ ዘለዎ ሃገር ከደ።
ስራሑ ምስ ፈፀመ ድማ፥ ነቶም ዝእዘዝዎ ዅላቶም፥ ናይ ዘለኣለም ድሕነት ክረኽቡ ምኽንያት ኮኖም።
ንሓቂ ብምእዛዝኩም፥ ግብዝና ንዘይብላ ፍቕሪ ኣሕዋት፥ ነፍስኹም ስለ ዘፅረኹም፥ ብምሉእ ልብኹም ንስንሳትኩም ተፋቐሩ።
ከምኡውን፥ ኣቱም ሰብኡት፥ ፀሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገት፥ ምስ ኣንስትኹም ብምስትውዓል ንበሩ፤ ንሳተን ካባኻትኩም ድኽም ዝበላ እየን፤ ንፀጋ ህይወት ድማ መዋርስትኹም እየን እሞ ኣኽብርወን።
ጊዜ ፍርዲ ቐሪቡ እዩ፤ ዝጅምሮ ኸዓ፥ በቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘለዉ እዩ። ብኣና ዝጅምር ካብ ኮነኸ፥ መወዳእታ እቶም ንወንጌል እግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ደኣ፥ እንታይ ክኸውን እዩ?