Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1ይ ጴጥሮስ 2:8 - መፅሓፍ ቅዱስ

8 ከምኡውን፦ “መዐንቀፊ እምንን፥ ኣንደልሂፁ ዘውድቕ ኰዅሕን እዩ።” ነቲ ቓል ብዘይምእዛዞም ወደቑ፤ ነዙይ ከዓ ምዱባት ነበሩ።

Ver Capítulo Copiar




1ይ ጴጥሮስ 2:8
16 Referencias Cruzadas  

ነቲ ኣባይ ዝተወሰነ ኽፍፅሞ እዩ፤ ከምዙይ ዝበለ ብዙሕ ነገር ምስኡ ኣሎ።


ግና ሓይለይ ምእንቲ ኸርእየካ፥ ስመይውን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ምእንቲ ኽንገር ኣልዒለካ ኣለኹ።


“ነዙይ ካብ ቀደም ከም ዘዳለኽዎ፥ ካብ ጥንቲ ኸዓ ኸም ዝገበርክዎ ኣይሰማዕኻን ዲኻ? ሕዚ ኸዓ፥ እንሆ ኽፍፅሞ እየ፤ ንስኻ ነተን ዕሩዳት ከተማታት ኣፍሪስካ፥ ኵምራ ዑናታት ክትገብረን ገበርኩኻ።


“ንሱውን፦ ፅረጉ፤ ፅረጉ፤ መንገዲ ኣዐርዩ፤ ካብ መንገዲ ህዝበይ መዐንቀፊ ኣርሕቑ ይብል።


“ንሱ ንመቕደስ ክኸውን እዩ፤ ንኽልቲአን ቤት እስራኤል ግና እምኒ መዐንቀፍን መንደልሃፂ ዀዅሕን ክኸውን እዩ፤ ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩውን፥ መድፈንን መፈንጠርን ክኾኖም እዩ።


ስምኦን ከዓ ባረኾም፤ ንኖኡ ማርያም ድማ “እንሆ እዝ ህፃን እዙይ፥ ኣብ እስራኤል ንብዙሓት ምኽንያት ምውዳቖምን ምትሳኦምን፥ ከምኡውን ንዝቃወምዎ፥ ምልክት ኮይኑ ተሸይሙ እዩ።


ከምኡ ድማ እግዚኣብሄር ቍጥዓኡ ኸርኢ ሓይሉውን ከፍልጥ እንተ ደልዩ፥ ትዕግስቱ ምስ ኣርኣየ፥ ነቶም ንጥፍኣት ዝተዳለዉ፥ ናይ ጥፍኣት መልእኽተኛታት የምፅእ።


ንሕና ግና፥ ነቲ ንኣይሁድ መዐንቀፊ፥ ንኣህዛብ ከዓ ዕሽነት ዝኾነ፥ ዝተሰቐለ ክርስቶስ ንሰብኽ ኣለና።


ነዚኣቶም፥ ካብ ሞት ናብ ሞት ዘብፅሕ መዓዛ፥ ነቲኣቶም ከዓ፥ ካብ ህይወት ናብ ህይወት ዘብፅሕ መዓዛ ኢና። ነዝ ነገርዙይ ብቑዕ እየ ዝብልከ መን ኣሎ?


ኣሕዋተይ፥ ኣነ “ግርዘት የድሊ እዩ” እናበልኩ፥ ዝሰብኽ እንተ ኾይነ ደኣ፥ ንምንታይ የሳጕጉኒ ኣለዉ? እቲ ናይ መስቀል ዕንቅፋት ከዓ ምተወገደ ነይሩ።


እግዚኣብሄር፥ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ድሕነት ክንረክብ እምበር፥ ንቝጥዓ ኣይፀውዐናን እሞ።


መፅሓፍ ከም ዝብል፦ “እንሆ ኣብ ፅዮን ሕሩይን ክቡርን፥ እምኒ መኣዝን ኣንብር ኣለኹ፤ እቲ ብእኡ ዝኣምን ከዓ፥ ኣይሓፍርን እዩ።”


እምበኣር ንእትኣምኑ ንኣኻትኩም ክቡር እዩ። ነቶም ዘይኣምኑ ግና፥ እቲ “ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፥ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኮነ”


ንሳቶም ስሱዓት ስለ ዝኾኑ፥ ብዘረባ እናጠበሩ መናገዲ ኽገብሩኹም እዮም። ካብ ቀደም ፍርዶም ተዳልዩ እዩ፤ ጥፍኣትውን ብርግፅ ይፅበዮም ኣሎ።


ፍርዲ ኸም ዝቕበሉ ቐደም ዝተፅሓፈሎም፥ ሓድሓደ ፍርሓት እግዚኣብሄር ዘይብሎም ሰባት፥ ኣብ ማእኸልኩም ሸሊኾም ኣትዮም ኣለዉ። ንሳቶም፥ ነቲ ብእግዚኣብሄር ዝተውሃበና፥ ናይ ፀጋ መልእኽቲ፥ ርኽሰት ክገብሩ ንዝልውጥዎን፥ ነቲ ሓደ በይኑ ንጉስናን ጐይታናን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ዝኽሕድዎን እዮም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos