25 ከም ዝጠፍኡ ኣባጊዕ፥ ከርተት ትብሉ ኔርኩም፤ ሕዚ ግና ናብቲ ጓሳኹምን፥ ሓላዊ ነፍስኹምን፥ ተመሊስኩም ኣለኹም።
ከም ዘጠፍአ በጊዕ ኰለል እብል ኣለኹ፤ ትእዛዛትካ ኣይረሳዕኹንሞ፥ ንባርያኻ ድለዮ።
ንዮሴፍ ከም መጓሰ ኣባጊዕ እትመርሕ፥ ኦ ጓሳ እስራኤል፥ ፅን በል። ኣታ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል እትቕመጥ፥ ተገለፅ።
ከም እትህደን መይዳቝን፥ ጓሳ ኸም ዘይብለን መጓሰን ኮይኖም፥ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ህዝቦም ክምለሱ፥ ነናብ ሃገሮምውን ክሃድሙ እዮም።
ንሱ ንመጓሰኡ ኸም ጓሳ የውፍረን፤ ንመሓሲኡ ኣኪቡ ኣብ ሕቝፉ ይስከመን፤ ነተን ዘጥብዋ ድማ ብህድኣት ይመርሐን።
ንሱ ግና ብሰንኪ ሓጢኣትና ቘሰለ፤ ብሰንኪ በደልናውን ደቐቐ፤ ምእንቲ ድሕንነትና፥ መቕፃዕቲ ናብኡ ወረደ፤ ንሕናውን ብቝስሉ ተፈወስና።
ኵላትና ኸም ዝተበታተና ኣባጊዕ ጠፋእና፤ ነፍሲ ወከፍ ነናብ መንገዱ ዘምበለ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ንበደል ኵላትና፥ ኣብ ልዕሊኡ ኣንበሮ።”
እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ብዛዕባ እቶም ንህዝቡ ዝሕልዉ ጓሶት ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንስኻትኩም ንመጓሰይ በተንኩምወን ኣባረርኩምወን፤ ጥንቃቐውን ኣይገበርኩምለንን። እንሆ፥ ንኽፍኣትኩም ግቡእ ቅፅዓት ከምፅአልኩም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ኣባጊዐይ ኣብ ኵሉ እምባታትን፥ ኣብ ኵሉ ነዋሕቲ ዀረብታታትን ተባረራ፥ ኣብ ኵሉ ዝባን ምድሪ ፋሕ በላ፤ ብዛዕባኣተንውን ግዲ ዘለዎን ዝደልየንን የለን።”
ዳዊት ባርያይ ከዓ ኣብ ልዕሊኣቶም ክነግስ፥ ንዅላቶም ድማ ሓደ ጓሳ ክኾኖም እዩ፤ ብፍርደይ ከዓ ኽመላለሱ፥ ንሕግጋተይውን ክሕልውዎን ክገብርዎን እዮም።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኦ ሰይፊ፥ ኣንፃር ጓሳይን እቲ ፈታዊየይ ዝኾነ ሰብን ተስእ፤ ነቲ ጓሳ ውቕዓዮ፤ እተን ኣባጊዕ ከዓ ፋሕ ይበላ። ኣነ ኸዓ ቕልፅመይ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣናእሽቱ ኽመልስ እየ።
እንታይ ይመስለኩም? ሚእቲ ኣባጊዕ ዘለዋኦ ሰብኣይ፥ ካብኣተን ሓንቲ እንተ ጠፍአቶ፥ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ በረኻ ሓዲጉ፥ ነታ ዝጠፍአት ክደሊዶ ኣይኸይድን?
ብዙሕ ህዝቢ ምስ ረአየ፥ ሓላዊ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ፥ ግፉዓትን ዝተበታተኑን ነበሩ እሞ ራህርሀሎም።
ስለዙይ ንርእስኹምን፥ ነታ ክርስቶስ ብደሙ ዝተቤዘዋ ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄርን ክትሕልዉ፥ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስ ቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም፥ ነቲ ዅሉ መጓሰ ሓልዉ።
እቲ ኣምላኽ ሰላም፥ ብደም እቲ ናይ ዘለኣለም ኪዳን፥ ዓብዪ ጓሳ ኣባጊዕ ንዝኾነ፥ ንጐይታና ኢየሱስ ካብ ሞት ዘተስኦ፥
እምበኣር ኣቱም ካብቲ ሰማያዊ መፀዋዕታ፥ ተኻፈልቲ ዝኾንኩም ቅዱሳን ኣሕዋትና፥ ናይ እምነትና ሃዋርያን ሊቀ ካህናትን ንዝኾነ ኢየሱስ ተመልከትዎ።
ንሱ ባዕሉ ድኽመት ዘለዎ ስለ ዝኾነ፥ ነቶም ዘይፈልጡን ዝተጋገዩን ክርህርሀሎም ይኽእል እዩ።
እዚኣቶም እቶም ቀደም ብዘመን ኖህ እታ መርከብ ክትስራሕ እንተላ፥ እግዚኣብሄር ብትዕግስቲ እናተፀበዮም እንተሎ፥ ምእዛዝ ዝኣበይዎ እዮም። ኣብታ መርከብ ውሑዳት፥ ማለት ሸሞንተ ነፍሳት ብማይ ደሓና።
እቲ ሓለቓ ጓሶት ምስ ተገልፀ ድማ፥ ዘይሓልፍ ኣኽሊል ክብሪ ኽትቅበሉ ኢኹም።