23 ምስ ፀረፍዎ መሊሱ ኣይፀረፈን፤ መከራ እንተፅንዑሉውን፥ ነቲ ብቕንዕና ዝፈርድ እግዚኣብሄር ደኣ፥ ነገሩ ኣሐሊፉ ሃበ እምበር፥ ኣየፈራርሐን።
ከምዙይ ዝበለ ነገር ምግባርስ ካባኻ ይርሓቕ። ነቲ ፃድቕ ከም ሓጥእ ቈፂርካ፥ ንፃድቕ ምስ ሓጥእ ምጥፋእ ካባኻ ይርሓቕ። እቲ ንዅላ ምድሪ ዝፈርድ፥ ቅኑዕ ፍርዲዶ ኣይፈርድን እዩ?” በሎ።
ረአኻዮ፤ ንስኻ ክፍኣትን ቍጥዓን ትርኢ ኢኻሞ፥ ብኢድካ ዋጋ ንምኽፋልውን ትምልከት፤ ረዳኢ ደኽታም ኢኻሞ፥ ምስኪን፥ ንባዕሉ ኣባኻ የማዕቝብ።
ነፍሰይ ኣብ ኢድካ ሓደራ እህብ ኣለኹ፤ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኦ ጐይታ ንስኻ ተቤዘውካኒ።
መንገድኻ ንእግዚኣብሄር ሓደራ ሃብ፤ ብእኡውን ተኣመን፤ ንሱ ድማ ኽገብረልካ እዩ።
ኣምላኽ ናይ ሓቂ ፈራዲ እዩ፤ ሓያልን ተዓጋሲን እዩ፤ ኵልሻዕውን ኣይቝጣዕን።
ክመፅእ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኽፈርድ ክመፅእ እዩ እሞ፤ ንሱ ንዓለም ብፅድቂ፥ ንኣህዛብ ድማ ብቕንዕና ኽፈርድ እዩ።
“ተጨነቐ፤ ተሳቐየ፤ ግና ኣፉ ኣይከፈተን፤ ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዝዅብኰብ ጡበት፥ ከምቲ ኣብ ቅድሚ መቃሲኡ ስቕ ዝብል በጊዕ፥ ኣፉ ኣይከፈተን።
ንሕናስ ብሓቂ፥ ብግብርና ዝግብአና ተፈዲና፤ እዙይ ግና፥ ሓንቲ ኽፍኣት ኣይገበረን” ኢሉ ገሰፆ።
ኢየሱስ ብዓብዪ ድምፂ፥ “ኦ ኣቦይ! ንነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኣማሕፅና ኣለኹ” በለ። እዙይ ምስ በለ ነፍሱ ወፀት።
ብዙሕ ነገራትውን ጠየቖ፤ ንሱ ግና ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰሉን።
በቲ ንሱ ዝሸሞ ሰብ ገይሩ፥ ንዓለም ብፅድቂ ዝፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ኣሎ፤ ነዝ ንዅሉ ሰብ ዘረጋገፆ ድማ፥ ነቲ ዝሓረዮ ሰብ፥ ካብ ምዉታን ብምትሳኡ እዩ” በሎም።
ሕዚ ድማ፥ ኦ ጐይታ! ምፍርራሖም ረአ፤ ንኣገልገልትኻ ኸዓ፥ ቃልካ ብምሉእ ትብዓት ክናገሩ ኣኽእሎም።
ብእምኒ ቐጥቂጦም ክቐትልዎ እንተለዉ ኸዓ እስጢፋኖስ “ኦ ጐይታ ኢየሱስ! ንነፍሰይ ተቐበላ” ኢሉ ፀለየ።
ሳውል ግና ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ፥ “ክቐትሎም እየ” ኢሉ እናተሓነየ፥ ናብቲ ሊቀ ካህናት ከደ።
ግና ብትረት ልብኻን ብዘይምንሳህኻን፥ በታ ቕኑዕ ፍርዲ እግዚኣብሄር ዝወርደላ መዓልቲ ቝጥዓ፥ ንባዕልኻ መቕሰፍቲ ትእክብ ኣለኻ።
ንስኻትኩምውን ኣቱም ጐይቶት፥ ምፍርራሕ ሓዲግኩም፥ ልክዕ ከምኡ ግበሩሎም። እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ናታቶምን ናታትኩምን ጐይታ፥ ገፅ ሰብ ሪኡ ዘየዳሉ ምዃኑ ትፈልጡ ኢኹም።
መከራ እትቕበሉ ዘለኹም፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ብቑዓት ኴንኩም ምእንቲ ኽትርከቡ፥ ናይ እግዚኣብሄር ፍርዲ፥ ቅኑዕ ምዃኑ ዘመልክት እዩ።
በዝ ምኽንያትዙይ ከዓ እየ፥ መከራ ዝቕበል ዘለኹ፤ ግና ንመን ከም ዝኣመንኩ ስለ ዝፈልጥ፥ ኣይሓፍርን እየ። ንሱ ኸዓ ነቲ ዝሃብክዎ ሕድሪ፥ ክሳዕ እታ መዓልቲ ጐይታ ኽሕልወለይ ከም ዝኽእል ርግፀኛ እየ።
ደጊም እቲ ቕኑዕ ፈራዲ ዝኾነ ጐይታ፥ በታ መወዳእታ መዓልቲ እቲኣ፥ ዝህበኒ ኣኽሊል ፅድቂ ተዳልዩለይ ኣሎ። እዙይውን ንበይነይ ኣይኮነን፤ ነቶም ናቱ ምምፃእ ዝፈትዉ ዅሎምውን እምበር።
ምእንቲ ኸይትደኽሙን፥ ተስፋ ኸይትቘርፁን፥ ነቲ ብሓጥኣን ክንድዙይ ዝኣክል መከራ ዝተዓገሰ ንእኡ ዘክርዎ።
ክፉእ ክንዲ ኽፉእ፥ ፀርፊ ኽንዲ ፀርፊ ኣይትመልሱ፤ እኳ ደኣ፥ በረኸት ምእንቲ ኽትወርሱ መርቑ፤ ነዙይ ኢኹም ዝተፀዋዕኹም እሞ።
እምበኣር እቶም ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር መከራ ዝቕበሉ፥ ሰናይ እናገበሩ፥ ንነፍሶም ነቲ እሙን ፈጣሪ የማሕፅኑ።
ሽዑ ሰማይ ተኸፊቱ ረአኹ። ኣብኡ ኸዓ፥ ፃዕዳ ፈረስ ነበረ፤ እቲ ዝተቐመጦ ኸዓ፥ እሙንን ሓቀኛን ይበሃል፤ ብፅድቅውን፥ ይፈርድን ይዋጋእን እዩ።