22 “ንሱ ሓጢኣት ኣይገበረን፤ ሓሰትውን ኣብ ኣፉ ኣይተረኽበን።”
እምበኣር ኣንደበትካ ኻብ ክፉእ ሓሉ፤ ከናፍርካውን ጥበራ ኣይናገራ።
ገበን ዘይፈፀመ፥ ተንኰልውን ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበስ፥ ኣማውታኡ ምስ ክፉኣት፥ መቓብሩ ኸዓ ምስ ሃብታማት ኮነ።”
ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ እንተሎ ድማ ሰበይቱ፥ “ሎሚ ለይቲ ብሕልሚ፥ ብዛዕባኡ ብዙሕ ተሳቕየ እየ እሞ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ፃድቕ ሰብ፥ ሓንቲ ኸይትብድል ተጠንቀቕ!” ኢላ ለኣኸትሉ።
ንሕናስ ብሓቂ፥ ብግብርና ዝግብአና ተፈዲና፤ እዙይ ግና፥ ሓንቲ ኽፍኣት ኣይገበረን” ኢሉ ገሰፆ።
እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና፥ እቲ ዝኾነ ምስ ረአየ፥ “እዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ብሓቂ ፃድቕ እዩ ነይሩ” እናበለ ንእግዚኣብሄር ኣመስገነ።
ኢየሱስ ንናትናኤል ናብኡ ኽመፅእ እንተሎ ምስ ረአዮ፥ ብዛዕባኡ “እንሆ! ኽፍኣት ዘይብሉ ብሓቂ እስራኤላዊ” በለ።
ካባኻትኩም፥ ብዛዕባ ሓጢኣት ክወቕሰኒ ዝኽእልከ መን ኣሎ? ሓቂ ዝዛረብ ካብ ኮንኩኸ ስለ ምንታይ ዘይትኣምኑኒ?
ንሕና ብክርስቶስ፥ ተኻፈልቲ ፅድቂ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽንከውን፥ ነቲ ሓጢኣት ዘይብሉ፥ ንእኡ ከም ሓጢኣት ገበሮ።
ከምዝ ኸማና ብዅሉ ዝተፈተነ እዩ፤ ግና ሓጢኣት ኣይገበረን፤ ስለዙይ ብድኻምና ኽርህርሀልና ዘይኽእል ሊቀ ካህናት ኣይኮነን።
ከምኡ ኸዓ፥ እቲ ናይ ብዙሓት ሓጢኣት ምእንቲ ኸወግድ፥ ሓንሳእ ዝተሰውአ ክርስቶስ፥ ደጊም ንሓጢኣት ክፀውር ዘይኮነስ፥ ነቶም ዝፅበይዎ ኸድሕኖም፥ ካልኣይ ጊዜ ብዘይ ሓጢኣት ክግለፅ እዩ።
ኣቱም ደቀይ፥ እዝ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ፥ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትገብሩ ኢለ እየ። ሓደኳ ሓጢኣት ዝገበረ እንተ ሃልዩ፥ ኣብ ቕድሚ ኣብ፥ ጠበቓ ኣለና፤ ንሱውን፥ እቲ ፃድቕ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።
ክርስቶስ፥ ንሓጢኣት ከርሕቕ ኢሉ ኸም ዝተገልፀ፥ ትፈልጡ ኢኹም፤ ኣብኡውን ሓጢኣት የለን።
ኣብ ኣፎም ሓሰት ኣይተረኽበን፤ ነውሪ እውን የብሎምን።