2-3 እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምኩም እንተ ዄንኩም፥ ብእኡ ምእንቲ ኽትዓብዩ፥ ከምቶም ሕዚ ዝተወለዱ ህፃናት፥ ነቲ ፅሩይ መንፈሳዊ ፀባ በሃጉ።
ብሓቂ ቤተይ ብእግዚኣብሄር፥ ከምኡዶ ኣይኮነን? ምሳይውን ንዘለኣለም ብዅሉ ቅኑዕን ፅኑዕን ንዝኾነ፥ ንዘለኣለም ቃል ኪዳን ገይሩ እዩ፤ ንዅሉ ምድሓነይን ድሌተይንከ ኣየብቍለለይን ድዩ?
እቲ ፃድቕ ኣብ መንገዱ ኽፀንዕ፥ እቲ ኣእዳዉ ንፁህ ዝኾነ ድማ፥ ሓይሊ እናወሰኸ ክኸይድ እዩ።
መንገዲ ፃድቃን ግና ኸም ብርሃን ወጋሕታ እያ፤ ምሉእ መዓልቲ ኽሳዕ ዝኸውን ከዓ፥ እናወሰኸት ትበርህ።
ኣነ ንእስራኤል ከም ኣውሊ ክኾኖ እየ፤ ከም ፅቡቕ ዕምበባ ኽዕምብብ እዩ፤ ከም ኣእዋም ሊባኖስ ከዓ ሰራውር ክሰድድ እዩ።
እቶም ኣብ ትሕቲ ፅላሉ ዝነብሩ ኽምለሱ እዮም፤ ብእኽሉውን ክፀግቡ እዮም፤ ከም ተኽሊ ወይኒ ይዕምብቡ፤ መዘከርታኦም ድማ ኸም ወይኒ ሊባኖስ ይኸውን።
ንእግዚኣብሄር ንፍለጦ፤ ብዝበለፀ ኽንፈልጦ ድማ ንከተሎ። ንሱ ብርግፅ ከም ወጋሕታ ተዳልዩ ኽንረኽቦ ኢና፤ ከምቲ ንምድሪ ዘጥልል ዝናም ፅብሓት፥ ከም ዝናም ክረምትውን ናባና ኽመፅእ እዩ።”
ስመይ ንእትፈርሑ ነኣኻትኩም ግና፥ ፀሓይ ፅድቂ ኣብ ኣኽናፋ ፈውሲ ሒዛ ኽትወፅእ እያ። ንስኻትኩምውን ክትወፁ ኢኹም፤ ከም ዝሰብሐ ብተይውን ክትዕንድሩ ኢኹም።
“እንተ ዘይተመሊስኩም፥ ከምዝ ህፃን እዙይውን እንተ ዘይኴንኩም ናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኸም ዘይትኣትዉ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
ኢየሱስ ግና “መንግስተ ሰማያት ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፥ ንህፃናት ሕደግዎም፤ ናባይ ምምፃእ ኣይትኽልእዎም” በሎም።
እቲ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ከም ህፃን ኮይኑ ዘይተቐበላ፥ ከቶ ኸም ዘይኣትዋ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።
ንመንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ከም ህፃን ኮይኑ ዘይቕበላ፥ ከቶ ኸም ዘይኣትዋ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።
እምበኣር ከምቲ ክርስቶስ፥ ብናይ ኣብ ክብሪ ኻብ ሙታን ዝተስአ፥ ከምኡ ኸዓ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንነብር፥ ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና።
ኣሕዋተይ፥ በተሓሳስባኹም ከም ህፃናት ኣይትኹኑ፤ ንኽፉእ ደኣ ህፃናት ኩኑ እምበር፥ በተሓሳስባኹምስ ብሱላት ኩኑ።
እቲ ህንፃ ብምሉኡ፥ ዝተቐደሰ ቤተ መቕደስ ምእንቲ ክኸውን፥ ብጐይታ እናተገጣጠመ ይዓቢ።
እኳ ደኣ ነቲ ሓቂ ብፍቕሪ እናተዛረብና፥ ብዅሉ ነገር ናብቲ ርእሲ ዝኾነ ክርስቶስ ንዕበ።
ኣሕዋትና፥ እምነትኩም በሊፃ እናዓበየት ትኸይድ ስለ ዘላ፥ እታ ኣብ ንስንሳትኩም ዘላ፥ ናይ ነፍሲ ወከፍኩም ፍቕሪውን እናበዝሐት ትኸይድ ስለ ዘላ፥ ብኣኻትኩም ኵሉ ጊዜ ንእግዚኣብሄር ነመስግኖ ኢና፤ እዙይ ከዓ ግቡእና እዩ።
ዳግም ዝተወለድኩም፥ ብህያውን ንዘለኣለም ብዝነብርን ቃል እግዚኣብሄር፥ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ እዩ እምበር፥ ካብ ዝጠፍእ ዘርኢ ኣይኮነን።
ግና ብናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ፀጋን ፍልጠትን ዕብዩ። ንእኡ፥ ሕዝን ንዘለኣለመ ኣለምን፥ ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።