Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1ይ ጴጥሮስ 2:19 - መፅሓፍ ቅዱስ

19 ሓደኳ ተዓሚፁ እንተሎ፥ ምእንቲ እግዚኣብሄር ኢሉ እንተ ተዓገሰ፥ ዝነኣድ ንሱ እዩሞ።

Ver Capítulo Copiar




1ይ ጴጥሮስ 2:19
18 Referencias Cruzadas  

እንሆ፥ ንሓሳባትኩም፥ ነቲ ኣብ ልዕለይ ዝመኸርኩምዎ ክፉእ ምኽሪ ፈሊጠዮ ኣለኹ።


ኵሉ ትእዛዛትካ ሓቂ እዩ፤ ብዓመፅ የሳጕጉኒ ኣለዉ እሞ፥ ርድአኒ።


እቶም ብግፍዒ ዝፀልኡኒ ኣብ ልዕለይ ደስ ኣይበሎም፤ እቶም ብኸንቱ ዝፃልኡኒውን በዒንቶም ኣይጠቓቐሱለይ።


ፀላእተይ ህያዋን እዮም፤ ይብርትዑኒውን እዮም፤ ብዘይ ምኽንያት ዝፀልኡኒ ብዙሓት እዮም።


እቶም ብኸንቱ ዝፀልኡኒ ካብ ፀጕሪ ርእሰይ በዝሑ፤ ብዓመፅ ዘሳጕጉኒ ፀላእተይ በርትዑ፤ ዘይወሰድክዎ ኽምልስ እኳ ግዲ ዀነኒ።


“ንዝፈትዉኹም ጥራሕ እንተ ፈተኹም ደኣ፥ እንታይ ዓስቢ ኣለኩም? ሓጥኣንውን ንዝፈትውዎምስ ይፈትዉ እዮም።


እንተ ኾነ ነቲ ዝለኣኸኒ ስለ ዘይፈልጥዎ፥ ምእንቲ ስመይ፥ እዝ ዅሉ ኣብ ልዕሌኹም ክፍፅምዎ እዮም።


ንሱ ኣብኡ ምስ በፅሐ፥ ፀጋ እግዚኣብሄር ሪኡ ተሓጐሰ፤ ብምሉእ ልቦም ብእግዚኣብሄር ፀኒዖም ክነብሩ ድማ መዓዶም።


ስለዙይ መቕፃዕቲ ፈሪሕኹም ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ሕሊናኹም ስለ ዝወቕሰኩምውን፥ ክትግዝኡ ይግብአኩም እዩ።


እቲ ኾይነዮ ዘለኹ ግና፥ ብፀጋ እግዚኣብሄር እየ ኾይነዮ ዘለኹ፤ እቲ ንኣይ ዝሃበኒ ፀጋ ኸዓ፥ ከንቱ ኣይኮነን፤ እኳ ደኣ ሕልፊ ዅላቶም ፀዓርኩ። እንተ ኾነ፥ እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ፀጋ እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን።


ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ፥ ኣውራ ኸዓ በቲ ምሳኻትኩም ዘለና ርክብ፥ በቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝርከብ ቅድስናን ቅንዕናን ከም ዝነበርና፥ ሕሊናና ይምስክረልና እዩ። ነዙይ ከዓ ብጥበብ ሰብ ዘይኮነስ፥ ብፀጋ እግዚኣብሄር ስለ ዝገበርናዮ፥ ንምካሕ ኢና።


ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ብዛዕባ እቲ ንኣብያተ ክርስቲያን መቄዶንያ ዝተውሃበ ፀጋ እግዚኣብሄር፥ ነፍልጠኩም ኣለና።


በዝ ምኽንያትዙይ ከዓ እየ፥ መከራ ዝቕበል ዘለኹ፤ ግና ንመን ከም ዝኣመንኩ ስለ ዝፈልጥ፥ ኣይሓፍርን እየ። ንሱ ኸዓ ነቲ ዝሃብክዎ ሕድሪ፥ ክሳዕ እታ መዓልቲ ጐይታ ኽሕልወለይ ከም ዝኽእል ርግፀኛ እየ።


እቶም መስዋእቲ ዘቕርቡ፥ ነፂሆም እንተ ዝኾኑ፥ በቲ ዝገበርዎ ሓጢኣት ሕሊናኦም ኣይምወቐሶምን ነይሩ፤ መስዋእቲ ኻብ ምቕራብውን መዕረፉ ነይሮም።


እናበደልኩም፥ መቕፃዕቲ እንተ ተዓገስኩም፥ እንታይ ናእዳ ኣለኩም? ሰናይ እናገበርኩም፥ መከራ እንተ ተዓገስኩም ግና፥ ኣብ እግዚኣብሄር ዘንእደኩም እዙይ እዩ።


ሓደኳ ኻባኻትኩም ቀታሊ፥ ወይ ሰራቒ፥ ወይ ገባሪ ክፉእ፥ ወይ ኣብ ነገር ካልኦት ኢዱ ዘእቱ ብምዃኑ፥ መከራ ዝቕበል ኣይሃሉኹም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos