Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




1ይ ጴጥሮስ 2:13 - መፅሓፍ ቅዱስ

13 ምእንቲ እግዚኣብሄር ኢልኩም፥ ንዅሎም ሰብ ስልጣን ተገዝእዎም፤ ነቲ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ንጉስ ኮነ፥

Ver Capítulo Copiar




1ይ ጴጥሮስ 2:13
13 Referencias Cruzadas  

ዓመፅ ጥራሕ ንዝደሊ ኽፉእ ሰብ፥ ጨካን መልእኽተኛ ይለኣኾ።


ወደይ፥ ንእግዚኣብሄር ፍራሕ፤ ንንጉስ ከዓ ኣኽብር፤ ምስ ዓመፅትውን ኣይትፀመር።


ንኣኣ ሰናይ እንተ ኾነላ፥ ንኣኻትኩምውን ሰናይ ክኾነልኩም እዩሞ፥ ተማሪኽኩም ንዝኸድኩምዋ ኸተማ፥ ሰላምን ሃብትን ተመነዩላ፤ ናብ እግዚኣብሄርውን ፀልዩላ።


ንሳቶም ከዓ “ናይ ቄሳር እዩ” በልዎ። “እምበኣር ናይ ቄሳር፥ ንቄሳር፥ ናይ እግዚኣብሄር ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ሃቡ” በሎም።


ኢየሱስ ከዓ “እምበኣር እቲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፥ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ከዓ ንእግዚኣብሄር ሃቡ” ኢሉ መለሰሎም። ብእኡ ድማ ተደነቑ።


ንሱ ድማ “እቲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፥ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ድማ ንእግዚኣብሄር ሃቡ” በሎም።


ንክርስቶስ ካብ ዘለኩም ፍርሓት፥ ንስንሳትኩም እዙዛት ኩኑ።


ነቶም ህዝቢ፥ ንገዛእትን ንሰብ ስልጣንን፥ ክግዝኡን ክእዘዙን፥ ንዅሉ ሰናይ ግብሪ ዝተዳለዉ ክኾኑን፥


ንዅሉ ሰብ ኣኽብሩ፤ ፍቕሪ ኣሕዋት ይሃሉኹም፤ ንእግዚኣብሄር ፍርሑ፤ ንንጉስውን ኣኽብሩ።


ብሕልፊ እኳ፥ ደድሕሪ እቲ ርኹስ ዝኾነ ስጋዊ ፍትወቶም ንዝስዕቡ፥ ንስልጣን እግዚኣብሄርውን ንዝንዕቑ፥ ንፍርዲ ኸፅንሖም እዩ። ደፋራትን ትዕቢተኛታትን ስለ ዝኾኑ፥ ነቶም ናይ ሰማይ ስልጣናት እንትፃረፉ ኣይፈርሑን።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos